ልኡኻት ሕቡራት መንግስታት ምስ መራሕቲ ምምሕዳር በዓል ሓደራ ክልል ትግራይ ይዛተዩ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ልኡኻት ሕቡራት መንግስታትን ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ከተማ መቐለ ምስ መራሕቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ይዛተዩ ኣለዉ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ፤ ሓለፍቲ ፈፀምቲ ስራሕ በዓል ሓደራ ምምሕዳር እቲ ክልል፣ ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)፣ ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ተረኺቦም።
ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ዑደት ስራሕ እቶም ልኡኻት፤ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ወከልቲ ሲቪል ማሕበረሰብን ክዛተዩ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
በዚ ድማ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ዳግመ ሕውየት ተመዛበልቲ፣ ምፍታሕ ዕጥቂ ነበር ዕጡቓትን ዳግም ናይ ምጥያሽን ከይዲ፣ ከምኡ እውን ጉዳያት ዘላቒ ሰላም እቲ ክልል ኣመልኪቱ ዘተ ክካየድ እዩ።
ብግዛቸው ግርማዬ