ሊቨርፑል ንማንቸስተር ዩናይትድ 4 ን 0 ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 11 ሰሙን ፀወታ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ልዑል ትፅቢት ዝተገበረሉ ደርቢ ላንካሻየር ሊቨርፑል ንማንቸስተር ዩናይትድ 4 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራታ።
ኣብ 8ይ ደቒቕ ሊኒ ዮሮ ብቀይሕ ካርድ ዝሰኣነት ማንቸስተር ዩናይትድ፤ ሊቨርፑል ብልዑል ፀብለልታ 2 ሸቶታት ቅድሚ ዕረፍቲ 2 ሸቶታት ድማ ድሕሪ ዕረፍቲ ብምምዝጋብ 4 ን 0 ብምስዓር ፀወታኣ ዛዚማ።
ሊቨርፑል ዝተዓወተትለን ሸቶታት፤ ዶምኒክ ሶቦዝላይ፣ ፍሎሪያን ቪርትዝ፣ ሪዮ ንጉሙዋን ቪክቶር ሙኞዝን ኣመዝጊቦምወን።