Fana: At a Speed of Life!

ምስ ለኣኽቲ ዕደና፣ ኣቕረብቲ ክባራት ዕደናታትን ገይፀመይፅን ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዕደና ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ምስ ለኣኽቲ ዕደና፣ ኣቕረብቲ ክባራት ዕደናታትን ገይፀመይፅን ዘቲዮም። ኢትዮጵያ ክባራት ኣእማንን ገይፀመይፂ ዕደናታትን ነዕዳጋ ወፃኢ ብበዝሒ እተቕርብ እኳ እንተኾነት ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ሸርፊ ወፃኢ ግን ምስ…

እስራኤል ምስ ሃማስ ትደራደር ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ብሃማስ ዝተዓገቱ ንፁሃን ንምልቃቕ ትደራደር ከምዘላ ተገሊፁ። ክልቲኦም ኣካላት ኲናት ካብ ዝጅምሩ ጀሚሮም ዝሓዝዎም ዜጋታት ንምልውዋጥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምቅርራቦም ተሓቢሩ። እቲ ድርድር እንተሰሚሩ ብዕጡቓት ሃማስ ዝተዓገቱ ኣብዝሓ…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ ሞሽን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝቐረበሉ ኣንፈት ጠመተ ሞሽን መንግስቲ 2016 ዓ.ም ብሙሉእ ደምፂ ኣፅዲቑ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ፥ መበል ሳልሳይ ዓመት ራብዓይ ዘበን ስሩዕ…

ኢትዮጵያ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሓንቲ ጥይት ናይ ምትኳስ ባህጊ ኣይብላን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሓንቲ ጥይት ናይ ምትኳስ ባህጊ ኣይብላን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዲፕሎማሲን ሕቶ ወደብን ኢትዮጵያ ጠሚቶም ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ…

ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ብሓፈሻ 23 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብርሂኦም፥ ብሓፈሻ ባንኪታት ንልቓሕ ካብ ዘቕረብኡ 547 ቢሊየን ብር እቲ 86 ሚኢታዊ  ንውልቀ ዓውዲ ዝቐረበ…

ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ሕቶ ዝለዓለሎም ከባቢታት ብዝምልከት ናትና ጥራሕ መፍትሒ ይተግበር ኣይበልናን-ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ሕቶታት ዝለዓሎም ቦታታት ሕጊ ዝተኸተለ፣ ዘላቒ ሰላም ዘኽበረን ሓድነት ህዝቢ…

ብፍቕሪ ንደመረ ብይቕረ ይቕረ ንሳገር-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል ሳልሳይ ዓመት ራብዓይ ዘበን ስሩዕ ኣኼብኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ የሳልጥ ኣሎ። ጎንፅታት ካብ ጉዕዞና ዘተዓናቕፉን መዕነውቲን ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናትና ድልየት…

ከም ሃገር ሰበብ ካብ ዘምፅኡ ናብ ብምኽኒያት ዝግንሑ ሓሳባት ክንሰጋገር ኣለና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ መበል ሳልሳይ ዓመት ራብዓይ ዘበን ስሩዕ ኣኼብኡ ብምርካብ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብዛዕባ ሕቶታት ህዝቢ ጠሚቱ ኣብ ዝተልዓሉ…

ብልፅግና ብሓባር ምንባርን ምምዕባልን ይከኣል ኢዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ፓርቲ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል ሳልሳይ ዓመት ራብዓይ ዘበን ስሩዕ ኣኼብኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ የሳልጥ ኣሎ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፖለቲካዊን ፀፅታዊን ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ…

ዴቪድ ካሜሩን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እንግሊዝ ብምዃን ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ ዴቪድ ካሜሩን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ብምዃን ተሸይሞም። ቀዳማይ ሚኒስትር ሪሺ ሱናክ ሽግሽግ ካቢኔ ኣካይዶም። ብመሰረት እዚ ሱዌላ ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ብሬቨርማን ካብ ስልጣኖም ከምዘልዓልዎም ቢቢሲ…