Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሰመራ 8 ሼዳት ብምህናፅ ንኣገልግሎት ድልዋት ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሰመራ 8 ሼዳት ብምህናፅ ንኣገልግሎት ድልዋት ከምዝኾኑ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣፍሊጩ።። ህንፀት እቲ ፓርክ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2012 ዓ.ም ዝተጀመረ እንትኸውን፥   ሲ ሲ ሲ ሲ ቻይና ኢዩ ብኮንትራትነት…

ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ናብ ዓለም ለኸ ውድድር ተመሊሳ

ኣዲሰ ኣበባ፣ 26  መጋቢት፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ) በዓልቲ ዋና ክብረ ወሰን 10 ሺሕ ሚትሮ ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ናብ ዓለም ለኸ ውድድር ተመሊሳ። ኣብ  ሪዮ ኦሊምፒክ ብራዚል በዓልቲ ዋና ክብረ ወሰን 10 ሺሕ ሚትሮ  ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ካብ ጉድኣት እግሪን ወሊደን ብምምላስ ዳግማይ ናብ…

ቻይና ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ-ዣኦ ዢዩዋን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩዋን ገሊፆም። ኣምባሳደር ዣኦ ዢዩዋን፣ ኣብ ክልላት ሲዳማ፣ ኣምሓራን ደቡብን ከምኡወን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ዝርከቡ…

ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘፋልጥ ኮንፈረንስ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘፋልጥ ኮንፈረንስ ክሳለጥ ኢዩ። ኤጀንሲ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፥ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ወርሒ ሓምለ 32014 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነምክያድ ዘኽአል ቅድመ መድላው ይግበር ኣሎ። ምክትል ዋና…

ኣብ መተሓዳደሪ ደንቢ መጅሊስ ዝተገበረ ዘተ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መተሓዳደሪ ደንቢ መጅሊስ ኣድሂቡ ንሓደ ሰሙን ዝተገበረ ዘተ ከምዝተዛዘመ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ፕሬዚዳነት እቲ ቤት ምኽሪ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር እንድሪስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብቲ መድረኽ ዘተ 23…

47 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ዝፀዓነት ተሽከርካሪት መቐለ ኣቲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓገዝ  47 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ዝፀዓነት ተሽከርካሪት ትካል ምግቢ ዓለም ሎሚ መዓልቲ መቐለ ኣቲያ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ዜጋታት ህይወቶም ንምድሓን ኩሎም ኣማራፅታት ብምጥቃም ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ምንቅስቓስ…

ብሪታኒያ ካብ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ሓፂነመፂን እገዳ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪታኒያ ካብ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ሓፂነመፂን እገዳ ኣንቢራ። ትካል ኣቕራቢ ሓፂነመፂን ለንደን(ኤልኤምኢ) ከምዝበሎ፥ ካብ ሩሲያ ዝኣትዉ ሓፃዊን ኣብ መኽዘን ንከይቕመጡ እገዳ ተነቢሩ። እታ ሃገር ካብ መንጎ ዝኣገደቶም ፍሪያታት፥  ሊድ፣…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ “ዝተኽሓደ እዝ ሰሜን” ብዝብል ርእሲ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ መሪቖም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ “ዝተኽሓደ እዝ ሰሜን” ብዝብል ርእሲ ብሓለቓ ሓምሳ ጋሻዬ ጤናው  ዝተፅሓፈ መፅሓፍ መሪቖም። እቲ መፅሓፍ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ብሄራዊ ቴአትር ኢዩ ተመሪቑ። ኣብቲ ስነ ሰርዓት  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሓዊሱ ካልኦት…

ልዕሊ 171 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዘለዎ ናውቲ ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 171 ሚሊየን ብር ኣታዊን ወፃኢን ግምታዊ ዘለዎ ናውቲ ኮንትሮባንድ ከምዝተታሓዘ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘሕለፍናዮ ሰሙን ብዝተገበረ ክትትል 166 ሚሊየን 194 ሺህ ብር ኣታዊ ናውትታት ኮንትሮባንድን  5 ሚሊየን 226…

ኣመራርሓ ክልላት ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ኣምሓራን ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ዝፍጠሩ ፀገማት ፀፅታ ብዘላቕነት ነምፍታሕ ዘኽእል ልዝብ ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ክልላት ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ኣምሓራን ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ዞባ መተከለን ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣዊን ዝፍጠሩ ፀገማት ፀፅታ ብዘላቕነት ነምፍታሕ ዘኽእል ልዝብ ኣሳሊጦም። ኣብቲ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ዝረአ ዘይምርግጋዕ ብዘላቕነት ብምፍታሕ…