Fana: At a Speed of Life!

ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ሓይሊ ኣየር ንባዕሉ ምድቡ እናዋደደ እናዘነ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ፌ.ዲ.ሪ.ኢ "ሰራዊት ሃገር እምበር ብሄር የብሉን" ካብ ዝብል ለውጢ ኣተሓሳስባ ጀሚሩ ብስልጠና ኣወዳድባን ዕጥቂን ከምኡ እውን ብህንፀት ሓይሊ ሰብ ንባዕሉ ምድቡ እናዋደደን እናዘመነን ከምዝኾነ ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጀኔራል…

1 ሺሕን 68 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ 1 ሺሕን 68 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ዜጋታት ሓደ ህፃን እንትኸውን፥ 1 ሺሕን 67 ደቂ ተብዕትዮን ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡ ተመለስቲ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ናብ ዝተሰናደአሎም…

ንምርመራ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ናሙናታት ዘትርፍ ማሽን ላብራቶሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ተተኺሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምርመራ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ናሙናታት ዘትርፍ ማሽን ላብራቶሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ማእኸል ጥዕና ተተኺሉ። ብረቲና ፋርማቲካል ኣቢሉ ዝተተኸለ ኮባስ 6800 ማሽን ብሰዓት 834 ናሙናታት ዝቕበል እንትኸውን፥ ናብ ወፃኢ ሃገር ዝለኣኹ ምርመራታት…

ባርኖስ ኣፍሪካ ኣብ ዞባ ጅማ ተራኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባርኖስ ኣፍሪካ ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ ሸቤ ሰምቦ ከምዝተርኣየ ማእኸል ክሊኒክ እፅዋት ጅማ ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ማእኸል ኣይተ ቦና ሂርጳ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ባርኖስ ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ቀበሌታት ተራኢዩ።…

ንዘበነ ምህርቲ 2014/15 ዓ.ም ልዕሊ 755 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣተወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2014/15 ዓ.ም ናብ ሃገር ካብ ዝኣቱ 1 ነጥቢ 28 ሚሊየን ሜትሪክ ቶ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበርያ) እቲ ልዕሊ 880 ሜትሪክ ቶን ኣብ ወደብ ምብፅሑ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ገሊፁ። ካብ ሞንጎ…

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ን200 ደቂ ኣንስትዮ መኣዲ ኣካፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣዲስ ኣበባ ዓሰርቲአን ክፍለ ከተማታት ንዝተውፃእፃኣ 200 ደቂ ኣንስትዮ መኣዲ ኣካፊሉ። ፈጠራ ብዝተሓወሶ መገዲ ብኸመይ መሰረታዊ ኣትክልቲ ኣብ ገዛና ንምፍራይ ከምዝከኣል ዘርእዩ ኣብቲ ቀፅሪ ዝሳለጡ ስራሕቲ…

ኣብ ፕሪሜርሊግ ጋንታ ሲዳማ ቡና ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ሲዳማ ቡና ተዓዊታ። ምስ ጋንታ ባህርዳር ከተማ ዝተራኸበት ጋንታ ሲዳማ ቡና 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ። ጊት ጋትኩት፣ ይገዙ ቦጋለን ሃብታሙ ገዛሀኝን ሲዳማ ንኽትዕወት ሽቶታት ኣመዝጊቦም።…

ምስ ምልሻታት ድባጤን በቂዶን ብምትሕብባር ተለኣኣኽቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኾኑ ሸፋቱ ከምዝደምሰሰ ኮማንድ ፖስት መተከል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ወረዳታት ድባጤን በቂዶን ዝርከቡ ኣባላት ምልሻ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምትሕብባር ተለኣኣኽቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኾኑ ሸፋቱ ከምዝደምሰሰ ኮማንድ ፖስት መተከል ኣፍሊጡ። ተወካሊ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኮማንድ ፖስት ብርጋዴር…

ብኲናት ጉድኣት ንዝበፅሖም ትካላት ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ዳያስፖራ ሓገዝ ንኽገብር ፃውጢት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳያስፖራ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዘብፀሐሎም ትካላት ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ሓገዝ ንኽገብር ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ፀዊዖም፡፡ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ እቲ ፃውዒት ዘቕረቡዎ፥ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝ ምስ ላዕለዎት…

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መንግስቲ ኢትዮያ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንኽኸውን ዝገብሮ ፃዕሪ ንኢዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መንግስቲ ኢትዮያ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዞጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንኽኸውን ዝገብሮ ፃዕሪ ንኢዱ። ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክላውድ ጂባር ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብስእነት ሰላምን…