Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ቢዝነስ

ብሄራዊ ባንኪ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ወፃእ ኣብ ገዛ ይኹን ካሊእ ቦታ ምቕማጥ ከልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ወፃእ ኣብ ገዛ ይኹን ካሊእ ቦታ ምቕማጥ ከልኪሉ። ኣመሓዳሪ እቲ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ፥ ብሄራዊ ባንኪ ዘውፅኦም ኣርባዕተ መምርሒታት ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።…

ዓለም ለኸ ትካል መድሕን ህፃናት ንከተማ ባህርዳር ብር 42 ሚሊየን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኸ ትካል መድሕን ህፃናት ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ብር 42 ሚሊየን ንከተማ ባህርዳር ሓገዝ ገይሩ። ኣብቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣድሂቡ ድማ፥ መተሓባበሪ ግብረ ሓይሊ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ቫይረሰ ኮረና ዶክተር ሙሉነሽ ኣበበ፣ ሓላፊ ቢሮ…

23 ሺሕ ግራም ወርቂ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር እንትወፅእ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)23 ሺሕ ግራም ወርቂ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር እንትወፅእ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ። እቲ መጠን ወርቂ ናይጄሪያዊ ዜግነት ዘለዎ ውልቀ ሰብ ካብ ሃገር ንምውፃእ ኣብ መገዲ ኣየር ቦሌ ከምዝተትሓዘ እቲ ሚኒስቴር ተዛሪቡ። እቲ ውልቀ…

ንጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝተገበረ ሽይጣት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 66 ነጥብ 4 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመተ 2012 ንጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ጅቡቲን ካብ ዝተገበረ ሽይጣት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 66 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተኣከበ ኣታዊ እቲ 37 ነጥቢ 1 ሚሊየን…

ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ውፅኢታት ስጋን ፀባን 72 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ውፅኢታት ስጋን ፀባን 72 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኢንስቲትዩት ኢንዱስትሪ ልምዓት ስጋን ፀባን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣይተ ሃይለየስላሴ ወረስ…

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ልዕሊ 47 ቢሊየን ብር እቶት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ልዕሊ 47 ቢሊየን ብር እቶት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ፍሬህይወት ታምሩ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ ከምዝበልኡ፥ እቲ ዝተረኸበ እቶት ኣብ'ዚ ዓመት ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ…

ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ ገንዘብ ልዕሊ 15 ነጥብ 9 ሚሊየን ዩሮ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ ገንዘብ ልዕሊ 15 ነጥብ 9 ሚሊየን ዩሮ ተፈራሪመን። እቲ ሰነድ ስምምዕነት ንምምሕዳር ዝተዋደደ መሬት ቁንዝላን መርሃ ግብሪ ዋሽን ንምድጋፍ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ። ብዋናነት ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ…

ኢትዮጵያን ጃፓንን ሓገዝ ስምምዕነት ብር 490 ሚሊየን ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓመምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ኢትዮጵያን ጃፓንን ሓገዝ ስምምዕነት ብር 490 ሚሊየን ተፈራሪመን። እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ሕመድ ሽዴን ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ማትሱናጋ ዳይሱኬን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኮቪድ-19 ሓዊሱ ኣብ ዘፈር…

ንእታዎት ኢንድስትሪ ዝኾኑ መዓድናት ብዓቕሚ ሃገር  ንምሽፋን ይስርሕ ምህላዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንኢንድስትሪ እታዎት  ዝኾኑ መዓድናት ብዓቕሚ ሃገር  ንምሽፋን ይሰርሕ ምህላዉ ሚኒስቴር መዓድንን ኢነርጂን ኢትዮጲያ  ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር ምስ  ሚኒስቴር  ንግድን ኢንዱስትሪን ብምዃን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።…

ምህርቲ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ 62 ሺሕን 542 ቶን ምህርቲ ኣተዓዳዲጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምህርቲ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ 62 ሺሕን 542 ቶን ምህርቲ ብብር 3 ነጥቢ 72 ቢሊየን ምትዕድዳጉ ኣፍሊጡ። ኣብ ውሽጢ 22 ናይ ዕዳጋ መዓልቲታት ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ካብ ምትዕድዳጉ ብተወሳኺ ንዕድጊት ዝመፅእ መጠን ፍርያት…