Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕፃ መንበሪ ሓባር ኣባይቲ 40/60ን 20/80ን ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳልሳይ ዙር ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕፃ መንበሪ ሓባር ኣባይቲ 40/60ን 20/80ን ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ክካየድ ኢዩ።
ምምሕዳር እታ ከተማ ከምዝበሎ፥ እቲ ስነ ስርዓት ካብ ሰዓት 2፡00 ንጎሆ ጀሚሩ ክሳለጥ ኢዩ።
ኣብቲ ምውፃእ ዕፃ፥ ከንቲባ…
ዝተተለመሉ ድጎማ ነዳዲ ተግባራዊ ምዃን ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህዝቢ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝህባ ተሸከርከርቲ ጥራሕ ተረባሕቲ ዝገብር ዝተተለመሉ ድጎማ ነዳዲ ካብ ሎሚ መዓልቲ 29 ሰነ 2014 ዓም ጀሚሩ ተግባራዊ ምዃን ከምዝጀመረ ሚኒቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከባ ንህዝቢ…
መንግስቲ ኣብ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ምምዕርራይ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ምምዕርራይ ገይሩ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፦
ንሓደ ሊትሮ ቤኒዚን 47 ብርን 83 ሳንቲምን፣ ናፍጣ 49 ብርን 09 ሳንቲምን፣ ኬሮሲን 49 ብርን 02 ሳንቲምን፣ ቀሊል ፀሊም ናፍጣ 53 ብርን 10 ሳንቲምን፣…
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ኬኒያ ዝነበሮም ፃንሒት ብምዝዛም ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ኬኒያ ዝነበሮም ፃንሒት ብምዝዛም ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም።
ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝተሳለጠ መበል 39 ጉባኤ ርእሳነ ብሄርን መራሕቲን ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓባር ዛዕባታት መግለፂ…
ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ መንጎአን ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብሰለማዊ ዘተ ንምፍታሕ ተስማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ መንጎአን ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብሰለማዊ ዘተ ንምፍታሕ ተስማዕሚዐን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣቦ መንበር ሉእላዊ ቤት ምኽሪ ሽግግር መንግስቲ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃን ኣብ ኬኒያ ናይሮቢ ሎሚ…
ሚኒስቴር መዓድን ምስ ኩባንያታት ቱርኪ ሰለስተ ሰነዳት ስምምዕነት ተፈራሪሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መዓድን ምስ ኩባንያታት ቱርኪ ሰለስተ ሰነዳት ስምምዕነት ተፈራሪሙ።
እቶም ሰነዳት ስምምዕነት፥ ኣብ ልምዓት ተፈጥሮ ጋዝ፣ ኣብ ምጥያሽ ፋብሪካ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበርያ)ን ኣብ ፍርያት ወርቂን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ኢዮም፡፡
እዋናዊ…
“ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ውፃእ-ውረድ ኮይንና ዓብዪ ውፅኢት ክነመዝግብ ክኢልና ኢና” – ኣፈ ጉባዔ ታገሰ ጫፎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) “ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ውፃእ-ውረድ ኮይንና ዓብዪ ውፅኢት ክነመዝግብ ክኢልና ኢና” ብምባል ኣፈ ጉባዔ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ብርኪ ኣፈፃፅማ እቲ ባይቶ ኣመልኪቶም።
ኮሚቴታት ኣማኸርቲን ኣተሓባበርቲን እቲ ባይቶ ከምኡ እውን ዋናን ሓገዝቲን…
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ጄኔራል ኣብደል ፋታህ ኣል-ቡርሃን ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ ኢጋድ ምስ ፕሬዚዳነት ሉእላዊ ቤት ምኽሪ ሽግግር ሪፐብሊክ ሱዳን ጄኔራል ኣብደል ፋታህ ኣል-ቡርሃን ተዛቲዮም።
እቲ ዘተ ኣብ እዋናዊን ቀጣናዊ ክልቲኣዊ ዛዕባታትን ዝጠመተ ከምዝነበረ ካብ ቤት ፅሕፈት…
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቄለም ወለጋ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ንፁን ዜጋታት ብዝበፅሐ ጨፍጫፍ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቄለም ወለጋ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ንፁን ዜጋታት ብዝበፅሐ ጨፍጫፍ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።
ሓላፊ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣይተግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ “ጉጅለ ግብረ ራዕዲ…
ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መበል 39 ፍሉይ ጉባኤ መራሕቲ ኢጋድ ልዩ ንምስታፍ ናይሮቢ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መበል 39 ፍሉይ ጉባኤ መራሕቲ ትካል በይነ-መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ልዩ ንምስታፍ ኬንያ ናይሮቢ ኣትዮም።
እቶም መራሕቲ ኣብቲ ጉባኤ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ድርቂ ምፅዋር ኣብ ዝከኣለሉ…