Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ክትባት ፖሊዮ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ክልል ደቡብ ክወሃብ ኢዩ

አዲስ አበባ፣ ታህሳስ 7፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንኣርባዕተ መዓልታት ዝፀንሕ ክትባት ፖሊዮ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ክልል ደቡብ ክወሃብ ኢዩ። ሕማም ፖሊዮ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ኣሩሲ፣ ወረዳ ሲራሮ ስለ ዝተርኣየ፥ ጎረባባብቲ እታ ወረዳ ኣብ ዝኾና ሓሙሽተ ዞባታት ክልል ደቡብ ዘለዋ 12…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ረቀቕቲ ኣዋጃት ኢንቨስትመንትን ኤክሳይዝ ታክስን ብዝምልከት ብምዝታይ ብዝርዝር ንክረአዩ ናብ ቀወምቲ ኮሚቴ መሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ረቀቕቲ ኣዋጃት ኢንቨስትመንትን ኤክሳይዝ ታክስን ብዝምልከት ብምዝታይ ብዝርዝር ንክረአዩ ናብ ዝምልከቶም ቀወምቲ ኮሚቴ መሪሑ። ረቂቕ ኣዋጅ ኢንቨስትመንት፥ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣…

ሽቦታት ኤሌክትሪክ እናበተኹ ዘጎዓዕዙ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሽቦታት ኤሌክትሪክ እናበተኹ ካብ ገብረ ጉራቻ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ዝፈተኑ ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም። እቶም ውልቀ ሰባት ምስ ቁርፅራፅ ሓፂመፂንን ፕላስቲክን ሓዋዊሶም እንተጎዓዕዙ ኣብ ጣቢያ ፍተሻ ሱሉልታ እንትበፅሑ ሕብረተሰብ…

1 ሽሕን 443 ኣብ ታንዛኒያ ተኣሲሮም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)1 ሽሕን 443 ኣብ ታንዛኒያ ተኣሲሮም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ከምዝምለሱ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ታንዛኒያ ኣፍሊጡ። እቲ ኤምባሲ ኣብታ ሃገር ምስ ዝቕመጡ ጉጅለ ልኡኽ ኮሚሸን ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ትካል ስደተኛታትን…

ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣስመራ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት ዝምራሕ ልዕሊ 60 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ሎሚ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣስመራ ኣትዩ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ እንትበፅሕ፥ ኮሚሽነር ባህሊን…

ትካል ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዘመናዊ ዱኽዒ ሓመድ ንምጉዕዓዝ ዘኸእል ምስ ክልተ ዓለም ለኸ ትካላት ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዘመናዊ ዱኽዒ ሓመድ (መዳበርያ) ንምጉዕዓዝ ዘኽእል ምስ ክልተ ዓለም ለኸ ትካላት ስምምዕነት ተፈራሪሙ። እቲ ትካል ነቲ ስምምዕነት ዝተፈራረመ ዲ ኤች ኤልን ዳይመንድ ሺፕ ቡከርን ምስ ዝተብሃሉ ክልተ…

ማልት ኣብ 12 ብከንቲባ ዝመሓደራ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክትሃንፅ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ 2012 ክሳብ 2014 ዓ/ም (ስትራተጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመታት) ኣብ 12 ብከንቲባ ዝመሓደራ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ኣሕዳሪ ዘይኮና ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኽእላ ምድላዋት ከምዝወገነት ተገሊፁ።…

መንግስታውን ውልቀን ኮሌጃት ትግራይ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንሰልጠንቲ ንምሃብ ዘኽእል ሓዱሸ መምርሕታት ይሰናዳእ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ክልል ትግራይ፥ መንግስታውን ውልቀን ኮሌጃት ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንሰልጠንቲ ንምሃብ ሓዱሸ መምርሕታትን ኣሰራርሓታትን ኣብ ምትእትታው ከምዝርከብ ገሊፁ። ሓላፊ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ክልል ትግራይ ዶ/ር ሙሉጌታ ሓዲስ፥ ኣብ…

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ 13 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዌ፣ ወረዳ ጓጉሳ ሽጉዳድ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ 13 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ዋና ኢንስፔክተር ኣማረ ፈረደ ንኣብመድ ከምዝበልዎ፥ እቲ ሓደጋ…

ኣብ ከተማ ባህርዳር 449 ዘይሕጋዊ ሸጓጉጢ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ባህርዳር 449 ዘይሕጋዊ ሸጓጉጢን ንዋታት ኮንትሮባንድን ተታሒዞም። እቶም ሸጓጉጢ ካብ ሕብረተሰብ ብመሰረት ዝበፅሐ ሓበሬታ፥ ኣብቲ ከተማ “ባህር ማዶ” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ መንበሪ ሓደ ውልቀ ሰብ ከምዝተትሓዙ ቢሮ…