Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኣብ ወርሒ ጉንበት 12 ከተማታት ተረባሕቲ ግልጋሎት ዝህደስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኾና ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጉንበት 2012 ዓ.ም 12 ከተማታት ተረባሕቲ ኣገልግሎት ዝህደስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሓበሬታታት ከምዝሕብሩዎ ተበፃሕነት ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ 44 ሚኢታዊ ጥራሕ ኢዩ።…

ሃገር ለኸ ፈተና ዓመተ 2012 ዝወሃበሉ ግዘ ሰሌዳ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ሃገር ለኸ ትምህርቲን ምዘናን ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2012 ሃገር ለኸ ፈተና ዝወሃበሉ ግዘ ሰሌዳ ዕላዊ ገይሩ። ብመሰረት እዚ ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ፥ ካብ 24 ክሳብ 27 ጉንበት 2012 ዓ.ም ክወሃብ ኢዩ።…

ኣፍሪካውያን መሰል ህፃናት ንኽኽበር ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካውያንን መራሕቶምን መሰል ህፃናት ንኽኽበር ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን። ኣብ ኣፍሪካ ብዝፍጠር ጎንፂን ኲናትን ዝጉድኡ ህፃናት ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ። ኣብቲ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ተዛትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፥ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ምዕሳል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምዝታዮም ሓላፊ ቤት…

ኣብ ቅንያት ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ሓሙሽተ እምነ ኩርናዓት ክቕመጡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ምኽኒያት ብምግባር ሽዱሽተ ለካቲት 2012 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ሓሙሽተ እምነ ኩርናዓት ከምዝቕመጡ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ፦ 1.…

መልእኽቲ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

"ህዝቢ ትግራይ ን 17 ዓመታት ኣብ ዘካየዶ መሪር ዕጥቃዊ ቓልሲ ንምእማኑ ዘፀግም ኹለ መዳይ መስዋእትነት ብምኽፋል ታሪኻዊ ሕዝባዊ ዓወት ንኽተመዝግብ መሰረት ቓልስኻ ዝኾነት 11 ለካቲት እንኳዕ ኣብፀሓካ ኣብፀሓና። ኹሉ ዝተኻየደ መሪር ተጋድሎ መስዋእትነትን መጉዳእትም ዝተመዝገበ ዓወትን ትርጉም…

ወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዳግም ከምዝተርኣየ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዳግም ከምዝተርኣየ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገፀርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ባልዓት እቲ ቢሮ ኣይተ መብራህቶም ገብረኪዳን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፥ እቲ ወራር ዕስላ ኣምበጣ ካብ ዕለተ…

ብኢንጂነር ኣይሻ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መበል ዓስራይ መድረኽ ፎሮም ከተማታት ዓለም ይሳተፍ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ መበል ዓስራይ መድረኽ ፎሮም ከተማታት ዓለም ይሳተፍ ኣሎ። መበል ዓስራይ መድረኽ ፎሮም ከተማታት ዓለም ኣብ ከተማ ኣቡዳቢ ኢዩ ዝሳለጥ…

መበል 33 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ እውን ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስላጥ ዝጀመረ መበል 33 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ እውን ይቕፅል ኣሎ። እቲ ስሩዕ ጉባኤ፥ “ጎንፂን ኲናትን ብምዕጋት ንልምዓት ኣፍሪካ ምዕሩይ ሃዋህው ምፍጣር!” ብዝብል መሪሕ ቓል ኢዩ…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ቀዳማይ ሚስትር ካናዳ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ቀዳማይ ሚስትር ካናዳ ጀስቲን ቱሩዶ ተዛትየን። ክልቲኦም መራሕቲ፥ ኣብ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራ ብምድሃብ ተዛትዮም ኢዮም። ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲን…