Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ተወሰኽቲ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ምርግጋፁ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ሓደ ወዲ 44 ዓመት ጃፓናዊ፣ ሓደ ወዲ 85 ዓመት ኢትዮጲያዊን ወዲ 39 ዓመት ኣውስትራሊያዊን ብዝተገበረሎም ክትትል ሕክምናን ምርመራ ላቮራቶሪን…
ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1 ሽሕን 200 ኪሎ ሜትሮ ህንፀት መገዲ ኣስፋልት ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ኮንስትራክሽንን መገድን መጉዓዝያን ክልል ትግራይ 1 ሽሕን 220 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ኣስፋልት ይሃንፅ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ መገዲ ኣስፋልት ኣብ 3 ዓመት ዝዛዘም ኢዩ ተባሂሉ።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ወልደኣማንኤል…
ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ሃገር ለኸ ስራሕቲ ምሃብ ግንዛበ ይሳለጥ ኣሎ – ቤት ፅሕፈት ቀ/ሚ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ሃገር ለኸ ስራሕቲ ምሃብ ግንዛበ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ቫይስ ኮሮና ምስ ዝኾነ ይኹን ሃገር ዜግነት ከምዘይተሓሓዝን ሰብ ዝኾነ ኩሉ…
ውዕሊ ስምምዕነት መበል 13 ዙር ዕፃ ዝወፅአሎም መንበሪ ሓባር ኣባይቲ ክትዕ ወሰን ዘለዎም ኣየካትትን
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ውዕሊ ስምምዕነት መበል 13 ዙር ዕፃ ዝወፅአሎም መንበሪ ሓባር ኣባይቲ ክትዕ ወሰን ዘለዎም ከምዘየካትት ተገሊፁ።
ዕፃ ወፂኡሎም ብመሰረት ዝተፈላለዩ ውልቃዊ ምኽንያታት ውዕሊ ከይፈረሙ ዝፀንሑ ዕድለኛታት፥ ኣብዚ ሰሙን ስነ-ስርዓት…
ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ነጋዶን ሰብ ሃፍቲን ዓቕሚ ንዘይብሎም ክሕግዙ ከምዝግባእ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።…
ስሩዕ ስራሕቲ ምኽባር ልዕልነት ሕጊን ስርዓት ምምሕዳር ገበንን ክቕፅል ኢዩ – ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምክልኻል ካብ ዝግበር ፃዕሪ ብተወሳኺ ስሩዕ ስራሕቲ ምኽባር ልዕልነት ሕጊን ስርዓት ምምሕዳር ገበንን ከምዝቕፅል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ገሊፁ።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢን ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽንን…
ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨው ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእል ቅድመ ምድላዋት የካይድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ኣድለይቲ ቅድመ ምድላዋት እናካየደ ከም ዝርከብ ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨው ገሊፁ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ኪሮስ፥ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከየጋጥም ዝከታተል ኮሚቴ ብተጣይሹ ኣሎ።…
ምምሕዳር ኣቢያተ ህንፀት ፌዴራል ን15 መዓልቲታት ምሕታት ተሃነፅቲ ምኽልካሉ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ኣቢያተ ህንፀት ፌዴራል ምስ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ጥዕና ተሃነፅቲ ንምሕላው ብዝብል ንዝቕፅሉ 15 መዓልቲታት ተሃነፅቲ ምስ ቤትሰቦም ከይራኸቡ ምኽልካሉ ኣፍሊጡ።
ጀነራል ኮሚሽነር እቲ ቤት ህንፀት ጀማል ኣብሶ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ…
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብሞት ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ብሞት ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መግለፂ ሓዘን፥ “ብሞት ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ዓምዩቕ ሓዘን ተሰሚዑኒ” ኢሎም።
ዶክተር…
ኣብ ትግራይ ኣብ ሸቐጣትን ናውቲ ሕክምናን ወሰኽ ዋጋ እንተጋጥም ሓበሬታ ንምሃብ ዘኽእሉ ቁፅሪታት ስልኪ ዕላዊ ተገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ምርኣዩ ስዒቡ ኣብ ሸቀጣትን ናውቲ ሕክምናን ወሰኽ ዝገበሩ ነጋዶ ከምዝተረኸቡ ቢሮ ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ ገሊፁ።
ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ኣብ ሸቐጣትን ናውቲ ሕክምናን ወሰኽ ዋጋ እንተጋጥም ሓበሬታ ንምሃብ…