Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ናይ ለውጢ መንግስቲ ፀገማት ብሰላም ንምፍታሕ ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ – ኣይተ መሓመድ እድሪስ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ካብ ፅባሕ ለውጢ ጀሚሩ ፀገማት ብሰላም ንምፍታሕ ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ብተግባር ከምዘርአየ ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር መንግስቲ ቅድሚ ለውጢ ዝነበሩ ስብራታት ፖለቲካ ንምፅጋን፣ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ፀገም…
ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝኾነ ይኹን ሓዱሽ መመሓየሺ ታሪፍ ከምዘይገበረ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝኾነ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ መመሓየሺ ታሪፍ ተግባራ ክገብር ኢዩ ብዝብል ዝተጋወሐ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡
ብምዃኑ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ዝግበር ሓዱሽ መመሓየሺ ታሪፍ ከመዘየለ እቲ ትካል…
ህንፀት ስማርት ሲቲ ኣዳማ ቅልጡፍን ኣገልግሎት ንመሃብ ከምዘኽአለ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዲጂታል ከተማ ኣዳማ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ስርዓት ኣሰራርሓ መንግስቲ ካብ ምዝማን ሓሊፉ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንመሃብ ከምዘኽአለ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ሓበራዊ ጉባኤ ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን…
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ግሪኽ ኣቴንስ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝተመርሐ በረራ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ግሪኽ ኣቴንስ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝተመርሐ በረራ ገይሩ፡፡
በዚ ፍሉይ በረራ ናብ ኣቴንስ ዝተጓዓዛ ምክትል ፕሬዚደንት ማርኬቲንግ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ራሄል ኣሰፋ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ መገዲ ኣየር…
ኣብ ዘበነ ስልጣነይ ሓድነት ህዝቢ ንኸጠናኸር ክሰርሕ ኢየ – ኣባ ገዳ ጉዮ ቦሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣባ ገዳ ጉዮ ቦሩ መበል 72 ኣባ ገዳ ቦረና ብምዃን ኣባ ገዳ ኩራ ጃርሶ ስልጣኖም ሎሚ መዓልቲ ተረኪቦም፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክልልን ከምኡ እውን…
ንዕቤትን ብልፅግናን ሃገርና ብዝተረኸቡ ዓወታት እንተይዓገብና ቀትሪን ለይቲን ክንሰርሕ ኣለና – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዕቤትን ብልፅግናን ሃገርና ብዝተረኸቡ ዓወታት እንተይዓገብና ቀትሪን ለይቲን ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፤ ትማሊ ዝተመረቐ ንሲቪልን…
ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና ክንፊ መናእሰይ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና ክንፊ መናእሰይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ከተማ ኣዳማ የሳለጥ ኣሎ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር መተሓባበሪ ዘፈር ህንፀት ባህሊ ዲሞክራሲ ፓርቲ ብልፅግና መለሰ ኣለሙን ፕሬዚዳንት ክንፊ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣክሊሉ ታደሰን…
ኣባ ገዳ ጉዮ ቦሩ ጉዮ መበል 72 ኣባ ገዳ ብምዃን ተሰይሞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣባ ገዳ ኩራ ጃርሶ ስልጣኖም ንተኸታሊኦም ብሰላም ኣረኪቦም።
ተኸታሊኦም ኣባ ገዳ ጉዮ ቦሩ ጉዮ መበል 72 ኣባ ገዳ ብምዃን ንዝቕፅሉ ሸሞንተ ዓመታት ስልጣኖም ብሰላም ተረኪቦም።
ኣባ ገዳ ኩራ ጃርሶ መበል 71 ኣባ ገዳ ብምዃን ንዝሓለፉ…
ዓውዲ ኮሚኒኬሽን ኣብ ህንፀት ብሄራዊ ያታ ዝለዓለ ግደ ክዋፃእ ይግባእ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓውዲ ኮሚኒኬሽን ዝተሰሓሓተ መረዳእታ ኣብ ምእራም፣ ኣፍረስቲ ኣጀንዳታት ብምምካት ኣብ ህንፀት ብሄራዊ ያታ ዝለዓለ ግደ ክዋፃእ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ፍርቂ…
ሰራዊትና ካብ ውግንና ዝፀረየ ሓይሊ ሰላም ኢዩ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊትና ካብ ፓለቲካ፣ ዘርእን ሃይማኖትን ውግንና ዝፀረየ ሓይሊ ሰላም ኢዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዥር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።
ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ዲግሪ ዘሰልጠኖም መበል…