Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ጃፓን ንመተግበሪ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ደገፍ ከምእትገብር ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓን ንመተግበሪ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ደገፍ ከምእትገብር ገሊፃ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስትር ፍትሒ በላይሁን ይርጋ መስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሺባታ ሂሮኖሪ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምዕራፍ ትግበራ ሽግግር…
ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካ ኣብ ትካላት ድሕንነት ዑደት የሳልጡ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካ ኣብ ትካላት ድሕንነት ዑደት የሳልጡ ኣለዉ።
ኢትዮጵያ ተተኣናግዶ ኣብ ዘላ ጉባኤ ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣጋይሽ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ዑደት የካይዱ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ሎሚ እውን ኣብ…
ንምዕባለ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ርኡይ ግደ ዝህልዎ ናይ ካፒታል ዕዳጋ ብናይ ኢትዮ ቴሌኮም 10 ሚኢታዊ ሽይጣት ኣክስዮን ስራሕ ተጀሚሩ-ምከትል ቀዳማይ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ንምዕባለ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ርኡይ ግደ ዝህልዎ ናይ ካፒታል ዕዳጋ ብናይ ኢትዮ ቴሌኮም 10 ሚኢታዊ ሽይጣት ኣክስዮን ስራሕ ተጀሚሩ ክብሉ ምከትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክተል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ…
መሸጣ ኣክሲዮን ኢትዮ ቴሌኮም ድሉው ምዃኑ ታሪኻዊ ናይ ተግባር ምዕራፍ መርአዪ ኢዩ – ቀ/ሚ/ ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መሸጣ ኣክሲዮን 10 ሚኢታዊ ኢትዮ ቴሌኮም ዕላዊ ገይሮም፡፡
ሙሉእ ትሕዝቶ መልእኽ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
ሎሚ መዓልቲ ኣክሲዮን ኢትዮ ቴሌኮም ንመሸጣ ድሉው ከምዝኾነ…
መሸጣ ኣክሲዮን 10 መኢታዊ ኢትዮ ቴሌኮም ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)መሸጣ ኣክሲዮን 10 መኢታዊ ኢትዮ ቴሌኮም ዕላዊ ገይሮም፡፡
ኢትዮ ቴሌኮም ብሓፈሻ ዘለዎ ኣክሲዮን 100 ቢሊየን እንትኸውን÷ ካብ ሞንጎ እዚ 10 ሚኢታዊ ወይ እውን 100 ሚሊየን ዝኸውን ኣክሲዮን ሎሚ መዓልቲ…
እታወት ዕድጊት ሸርፊ ወፃኢ ንምቅልጣፍ ሓገዝና ክቕፅል ኢዩ – ኣይተ ማሞ ምህረቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እታወት ዕድጊት ሸርፊ ወፃኢ ንምቅልጣፍ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገዛኢ እቲ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ኣረጋጊፆም።
ኣይተ ማሞ ኣብ ቦሌ ዝተኸፈቱን ስራሕ ዝጀመሩን ክልተ ቢሮታት መዕደጊ ሸርፊ ወፃኢ ዑደት ብምግባር…
መበል 14 ጉባኤ ጠበቓታት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 14 ጉባኤ ጠበቓታት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣዳራሽ ማንዴላ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብቲ ጉናኤ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖን ተወከልቲ ኣባል ሃገራት…
ዋጋ እንተይተኸፈለ ዝለምዐ ወይ እውን ዝማዕበለ ሃገርን ህዝቢን የለን – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋጋ እንተይተኸፈለ ዝለምዐ ወይ እውን ዝማዕበለ ሃገርን ህዝቢን የለን ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያ ሰላማ እናፅነዐት…
ንምዕራፍ እናተሰናደአት ትኪ ዝተርኣያ ኣውሮፕላን ብዕዉት ኩነታት ዓሪፋ – መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ድሬዳዋ ንምዕራፍ እናተሰናደአት ትኪ ዝተርኣያ ኣውሮፕላን ብሰላም ከምዝዓረፈት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ሎሚ መዓልቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ድሬዳዋ እናተጓዓዘት ዝነበረት ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ቁፅሪ ET-248…
ቀ/ሚ አቢይ (ዶ/ር) ብሕልፈት ጌታቸው መለሰ (ዶ/ር) ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሕልፈት ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጌታቸው መለሰ (ዶ/ር) ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ መግለፂ ሓዘን÷…