Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኣፍራይት ስርናይ ሃገር ኮይና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ብልዑል ኣፍራይት ስርናይ ሃገር ብምዃን ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይቲ እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተለዓሉ ሕቶታት ምላሽን…

በቢ ከባቢኡ ዝቐርቡ ሕቶታት ልምዓት ምምላስ እንኽእል ኣታዊና ብእኹል ኩነታት ክብ ምባል እንትንክኣል ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ(ዶ/ር) ኣብቲ ባይቶ ተረኺቦም ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጠመተ ብምሃብ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ መንግስቲ ኣወሃብ ኣገልግሎት…

ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት 61 ሚኢተታዊ በፂሑ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይካየድ ኣሎ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎም መብርሂታት፥ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ተጣይሹ  ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዘለዉ መሓንቓት…

ኢትዮጵያ ንዘጋጠሙ ብድሆታት ብምስጋር ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 8.1 ዕብየት ኢኮኖሚ ኣመዝጊባ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይካየድ ኣሎ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ መንግስቲ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ምድላዉ ኣዘኻኺሮም። እቲ ትልሚ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እናተኻየደ ይርከብ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ(ዶ/ር) ሕቶታት እናቕረቡ ይርከቡ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ…

ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ዝርከብ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ንዓውዲ ሕርሻ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ከምዝገብር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ዝርከብ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ንዝውገኑ ስራሕቲ ሕርሻ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ፅቡቕ መሰረት ዘንብሩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ። አብ ግዚያዊ ምምሕዳር ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ዳይሬክተር…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መገዲ ኣየር ኢትሃድን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መገዲ ኣየር ኢትሃድን ብሓባር ንምስራሕ ዝኽእሎም ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከቲሞም። እቲ ስምምነት ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰውን ላዕለዎት ኣመራርሓ መገዲ ኣየር ኢትሃድን…

ኣኬባ ጉጅለ ተዳራዳሪ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ኣብ ጀኔቫ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓምሻይ ኣኼባ ኣባላት ጉጅለ ስራሕ ተዳራዳሪ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ ምክያድ ጀሚሩ፡፡ መራሒ ጉጅለ ዋና ተደራዳሪ ኢትዮጵያን ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም…

ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምክልኻል ምስ ስዑድ ዓረብ ከምትሰርሕ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ኣዲስ ኣበባን ሪያድን ዝካየድ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምክልኻል ምስ ስዑድ ዓረብ ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ገሊፃ፡፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ…

ጅቡቲ መስርሒ ቤት ትምህርቲ ኮሚዩኒቲ ኢትዮጵያ ዝኸውን ቦታ ኣረኪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ጅቡቲ ኣብታ ሃገር ንዝህነፅ ቤት ትምህርቲ ኮሚዩኒቲ ኢትዮጵያ ምስርሒ ዝኸውን ኣርባዕተ ሄክታር መሬት ብህያብ ኣበርኪቱ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ፥ እቲ ህያብ መሬት ፅቡቕ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘርኢ ከምዝኾነ…