Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ንምፍላጥ ፅቡቕ ምስላ ክትሃንፅ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንኢትዮጵያ ብዝግባእ ኣብ ምፍላጥን ንኻሊእ ዓለም ኣብ ምፍላጥን ፅቡቕ ምስሊ ሃገር ምህናፅ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ገሊፀን፡፡ ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣገልግሎት ወለንታ ንመሃብ…

ሩሲያ ንኢትዮጵያ ሓገዝ ስርናይ ገይራ ዝብል ሓበሬታ ዝተሰሓሓተ ኢዩ።

ስኑዕ ሓበሬታ ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ጋምቤላ ተዓቒቦም ንዝርከቡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ንኽውዕል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም (ደብሊዩኤፍፒ) ዝገበሮ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ዝተገበረ ድጋፍ ብዝብል ስኑዕ ሓበሬታ እጋወሐ ይርከብ። መንግስቲ ሩሲያ…

ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልኡልሰገድ ታደሰ መስ ሚኒስትር ማሕበራዊ ዕብየት፣ ደገፍ ስድራን ንከያ ድኽነትን ብራዚል ዌሊንግተን ዲያስ ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ፥…

ትማሊ ምሸት ኣብ ደቡብን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ክፍሊታት ኣብ ሰማይ ዝተርኣየ ኣጋጣሚ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስፔስ ሳይንስ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 1፡30 ኣብ ከባቢታት ደቡብን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ኣብ ሰማይ ዝተርኣዩ እናተቐፃፀሉ ብልዑል ቅልጣፈ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ እኩባት ቁስ ኣካላት ከምዝተርኣዩ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብቶም…

መንግስቲ ምኽኒያታዊ ብዘይኮነ መገዲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ተግባራት እናተኸታተለ ስጉምቲ ክወሰድ ኢዩ-ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ምኽኒያታዊ ብዘይኮነ መገዲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ተግባራት እናተኸታተለ ስጉምቲ ክወሰድ ኢዩ ክብሉ ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ኣተሓሳሲቦም። እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ…

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ድህረ-ማላቦ ሲኤኤዲፒ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ድህረ-ማላቦ ሓፈሻዊ ፕሮግራም ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ(ሲኤኤዲፒ) ኣብ ኡጋንዳ ካምፓላ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ጉባኤ፥ “ምስጓም ኩለ መዳይ ሽግግር ስርዓት ግብርና ንዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ሓበራዊ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ…

ኣብ ትግራይ ናብ ልምዓት ኣብ ልዕሊ ዘይኣዉ ሰብ ሃፍቲ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ግብርና ንምውፋር መሬት ወሲዶም ናብ ልምዓት ኣብ ልዕሊ ዘይኣተዉ 24 ሰብ ሃፍቲ ስጉምቲ ተወሲዱ።   ሓላፊ ቢሮ መሬትን ዕደናን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ካልአዩ…

ኣብ ትግራይ  ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ 60 ሺሕ ሄ/ር መሬት ዕቀባ ሓመድን ማይን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ ዘበን እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ቢሮ እያሱ ኣብርሃ(ዶ/ር)፥ ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ወርሒ ጥሪ መወዳእታ…

ኣዋጅ ስርዓት ዕዳጋ ውፅኢታት ነዳዲ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ጉባኤ ኣዋጅ ስርዓት ዕዳጋ ውፅኢታት ነዳዲ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ። ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ንግዲን ቱሪዝምን ወ/ሮ አይሻ ያህያ፥ መዐደሊ ነዳዲ ዘይተቖራረፀ ኣገልግሎት ንክህባ ንምግዳድ ነዳዲ ኣብ ውሽጢ…

ብሽይጣት መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ዝህነፅ ቤተ መፃሕፍቲ ጋምቤላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሽይጣት መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቤተ መፃሕፍቲ ህዝቢ ጋምቤላ ከህነፅ ኢዩ። ፍሉይ ኣማኻሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ብርሃኑ ደጀኔ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ካብ ሽይጣት እቲ መፅሓፍ ብዝርከብ ኣታዊ…