Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባንያ ቪዛ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባንያ ቪዛ ሪያን ማኪነርኒ ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኩባንያ ቪዛ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ስራሕ ጠሚቶም ከምዝተመያየጡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም፡፡…
ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣፈፃፅማ ባንኪ ልምዓት ውፅኢት ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣፈፃፅማ መጀመሪያ መንፈቕ ዓመት እዚ በጀት ዓመት ውፅኢት ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም፡፡
ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ባንኪ÷ ሚኒስቴር ገንዘብ፣ ተፀዋዕቲ ትካላት ትሕዝቶን ምምሕዳርን…
ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሄክታር ኣብ ዝኾነ መሬት ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዝውገን ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2016 ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሄክታር ኣብ ዝኾነ መሬት ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዝውገን ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ኩለን ክልላት ከምዝውገንን ክሳብ ሕዚ ድማ ዝተወሰና ክልላት…
ን40 ሺሕ ኣረጋውያን ሕክምና ዓይኒ ከምዝወሃብ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሎሚ መዓለወቲ ጀሚሩ ክሳብ 28 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ን40 ሺሕ ኣረጋውያን ናፃ ሕክምና ዓይኒ ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትነዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ሚኒስቴርን ዓለም ለኸ ፋውንዴሽን ኣልባሳርን…
ሰነ ስርዓት ርኽክብ ሳይት ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርግሐን ግድብ ገረብሰገን ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ ኲናት ብ830 ሚልየን ብር ንክህነፅ ተተሊሙ 12 ምኢታዊ ምስ በፅሕ ዝተቛረፀ ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርገሐን ፕሮጀክት ግድብ ገረብ ሰገን መሊስካ ንምጅማር ዘኽእል ስነ ሰርዓት ርኽክብ ሳይት ተሳሊጡ።
እቲ ስነ ስርዓት ኣብ መንጎ ቢሮ ማይሃፍቲ…
ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ምዕራብ ይኹን ምብራቕ ፅኑዕ ምሕዝነት ኣለዋ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ምዕራብ ይኹን ምብራቕ ፅኑዕ ምሕዝነት ከምዘለዋ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዲፕሎማሲ ብዝምልከት ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቕረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።
ኣብ…
ኢትዮጵያ ቅድሚ 5 ዓመት ካብ ዝነበራ 32 ሚኢታዊት ፅዕንቶ ልቓሕ ወፃኢ ናብ 17 ሚኢታዊ ወሪዱ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሳላሳይ ዘበን ስራሕ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥…
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕቤት ክመዝገብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕቤት ክመዝገብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቕረቡሎም ኢኮኖሚያዊ ጉዳያ ዝምልከቱ ሕቶታትን ዘለዉ…
ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉት ንክኸውን ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 37 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉት ንክኸውን ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፥ ብሄራዊ ኮሚቴ ተጣይሹ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ተዛሪበን።
ሎሚ ዘበን…
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጠመ ድርቂ ህይወት ሰባት ከይቀጥፍ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ይግባእ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጠመ ድርቂ ህይወት ሰባት ከይቀጥፍ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሳላሳይ…