Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

በዓል መስቀል ባህላዊ ትሕዝቶኡን ክብርታት ህዝቢ ብዘጉልህ መገዲን ክኽበር ከምዝኽበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ባህላዊ ትሕዝቶኡን ክብርታት ህዝብን ብዘጉልህ  መገዲ ከምዝኽበር ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ዓዲግራት ገሊፁ። እዚ ማለት፥ “ህዝብና ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዘሎን ዘለናሉ ኩነታት ኣብ ዝጎዳደሉ ነገራት ከም ዘለዉ…

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀጣና ዘለዋ ፖለቲካዊ ተደማፅነት ክብ ዘብል ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀጣና ዘለዋ ፖለቲካዊ ተደማፅነት ክብ ዘብል ከምዝኾነ  ነበር ተደራዳሪ እቲ ግድብ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ተዛሪቦም። መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ሒዙዎ ዝመፅአ ብዙሕ ረብሓ ብዝምልከት ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ…

ግዕዝይና ንምክልኻል ብዝተወሰደ ስጉምቲ ልዕሊ 120 ሚሊየን ብር ምድሓን ተኻኢሉ- ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ግዕዝይና ንምክልኻል ብዝተወሰደ ስጉምቲ ልዕሊ 120 ሚሊየን ብር ምድሓን ተኻኢሉ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ ኣወሃህባ…

ኣብ ሶማሊያ ሮብ ድሬ እንትንቀሳቐስ ዝነበረ ጉጅለ ኣልሸባብ ተደምሲሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሶማሊያ ሮብ ድሬ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ንምፍፃም እንትንቀሳቐስ ዝነበረ ጉጅለ ኣልሸባብ ተደምሲሱ። እቲ ጉጅለ 3 ፈንጂ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ፣ 12 ፈንጂ ዝተዓጠቑ ዕጡቓትን ልዕሊ 450 ኣለዉኒ ዝብሎም ኣባላቱን ንጥፍኣት…

125 ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ካብ ጂቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)125 ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ካብ ጂቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም። እቶም ፍልሰተኛታት ኣብ ጅቡቲ ዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ብምትሕብባር ኢዩ መሊሱዎም። ፅባሕ ተወሰኽቲ 95 ፍልሰተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ…

ኣብ ቀጠናዊ ምትሕብባርን ተለዋዋጢ ጉዳያት ድሕንነትን ቀይሕ ባሕሪ ዝጠመተ ጉባኤ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀጠናዊ ምትሕብባርን ተለዋዋጢ ጉዳያት ድሕንነትን ቀይሕ ባሕሪ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝጠመተ ጉባኤ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ። እቲ ጉባኤ ብምትሕብባር ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢን ዋር ኮሌጅ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ዝተሰናድአ…

ኣይተ ደመቀ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ፍትሓዊ ውክልና ንክህሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ፍትሓዊ ውክልና ንክህሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣይተ ደመቀ ኣብ ኒውዮርክ ምስ ዝካየድ ዘሎ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ…

ንዓበይቲ ሃገራት ዝግበር ፋይናንስ ልምዓት እኹልን ፍትሓዊን ኣይኮነን-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዓበይቲ ሃገራት ዝግበር ፋይናንስ ልምዓት እኹልን ፍትሓዊን ኣይኮነን ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም። ኣይተ ደመቀ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኣፈፃፅማ ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት መደረ…

በዓል መስቀል ብዘይፀገም ፀፅታ ንምኽባር ዘኽእል ምድላው ተዛዚሙ-ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀል ብዘይፀገም ፀፅታ ንምኽባር ዘኽእል ምድላው ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ። ኣከባብራ እቲ በዓል ጠመተ ብምግባር፥ ኣባላት እቲ ግብረ ሓይሊን መራሕቲ ሃይማኖትን መድረኽ ዘተ ኣሳሊጦም። ምክትል ኮሚሽነር…

ፋውንዴሽን ፎር ሩራል ደቨሎፕመንት ቻይና ን3 ሽሕ ተምሃሮ 4 ነጥቢ 5 ሚልየን ብር ዋግኦም ናውቲ ትምህርቲ ሓጊዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)“ቻይና ፋውንዴሽን ፎር ሩራል ደቨሎፕመንት” ዝተብሃለ ዓለምለኻዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝርከቡ 3 ሽሕ ተምሃሮ 4 ነጥቢ 5 ሚልየን ብር ዋግኦም ናውቲ ትምህርቲ ሓጊዙ። ኣተሓባባሪ እቲ ፋውንዴሽን ኣይተ ዳንኤል ወርቁ፥ እቲ ሓገዝ…