Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ብ264 ሚሊየን ብር ዝተዓደጋ 25 ተሽከርከርቲ መወገድቲ ፈሳሲ ርስሓት መቐለ ሓዊሱ ን8 ከተማታት ተዋሂበን
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ብ264 ሚሊየን ብር ዝተዓደጋ 25 ተሽከርከርቲ መወገድቲ ፈሳሲ ርስሓት መቐለ ሓዊሱ ን8 ከተማታት ሂቡ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ፥ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብ ዝተዓደጋ ኢየን ኢሎም።
ሎሚ…
ፕሬዚዳንት ቢን ዛይድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኢምሬትስ ሕቡራት ዓረብ መሀመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም፥ እቲ ዑደት…
ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዩንቨርስታት ነባር ተምሃሮአን ብምቕባል ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር የሳልጣ ከምዘለዋ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ዩንቨርስታት ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ኲናት ኣብ 2016 ዓ.ም ትምህርቶም ኣቋሪፆም ዝነበሩ 24 ሺሕ ተምሃሮአን ብምቕባል ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር የሳልጣ ከምዘለዋ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ሚኒስቴር ኣፈፃሚ…
ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ብምዃና ቻይና መልእኽቲ ታሕጓስ ኣመሓላሊፋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ብምዃና ቻይና መልእኽቲ ታሕጓስ ኣመሓላሊፋ።
ጉባኤ ብሪክስ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ብምቕባል ምፅዳቑ ይዝከር።
ብመሰረት እዚ ንሃገርና ታሪኻዊ እዋን ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)…
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅ ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ።
እቲ ሰራዊት ብፍላይ ብሰንኪ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ሰላም ስኢኑ ዝነበረ ክልል ሂራን ከባቢ ሂርሻቤሌ ካብ መጥቃዕቲ እቲ ግብረ ራዕዲ ነፃ…
ጉባኤ ብሪክስ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ብምቕባል ምፅዳቑ ንሃገርና ታሪኻዊ እዋን ኢዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ብሪክስ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ብምቕባል ምፅዳቑ ንሃገርና ታሪኻዊ እዋን ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ኢትዮጵያ ኣባል…
ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስን ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ናብ ጉጅለ ብሪክስን ተሓዊሳ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፥ ኣርጀንቲና፣ ግብፅ፣ ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብን ኢሚሬትስ ሕቡራት ዓረብን ብኣባልነት ተቐቢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ…
ውድብ ጥዕና ዓለም ንኮሚሽን ተሃድሶ ደገፍ ንምግባር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ንኮሚሽን ተሃድሶ ደገፍ ንምግባር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ምስ ምክትል ተወካሊት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ድላሚኒ ሮዝ (ዶ/ር) ዘቲዮም።
እቶም…
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ሹመታት ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ሹመታትን ምድብን ኣካይዱ።
እቲ ምምሕዳር ኣብ 2015 ዓ.ም ብመሰረት ዝገበሮ ገምጋም ዝተረኸቡ ውፅኢታት ድኽመታትን ምፍላዩ ሓቢሩ።
ብመሰረት እዚ ሪፎርም ትካላት ኣጠናኺርካ ንምቕፃልን ግዕዙይ ኣሰራርሓ…
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ ዝካየድ ኣኼባ BRICS-Africa Outreach ን BRICS Plus ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ዘቲዮም።
እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊን ሃገራዉን ዛዕባታት ጠመተ…