Browsing Category
Uncategorized
ባንኪ ዓለም ምሕደራ ታክሲ ኢትዮጵያ ንምዝማን ክድግፍ ኢየ ኢሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ምሕደራ ታክሲ ኢትዮጵያ ንምዝማን ኣድላዪ ቴክኒካዊን ገንዘባዊን ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፁ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር እቶት ተስፋየ ቱሉ÷ ኣብ ምሕደራ ስርዓት ታክሲ፣ ቴክኖሎጂን ተግባራት ምሕደራ ሃፍቲ ሰብን ትኹረት ብምግባር ምስ ልኡኽ…
ኣብቲ ዝሓዝናዮ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብግዝፈቱ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራ ሳልሳይ ደረጃ ክሕዝ ኢዩ – ኣይ ኤም ኤፍ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝሓዝናዮ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብግዝፈቱ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝሕዝ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይ ኤም ኤፍ) ኣመልኪቱ።
ኣይ ኤም ኤፍ ኣፈፃፅማ ትንበያ ኢኮኖሚ ዓለም 2023 ዕላዊ…
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ኢፍጣር ብሰላም ተዛዚሙ- ፖሊስ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ኢፍጣር ብሰላም ተዛዚሙ ክብል ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ማሕበረሰብ ሙስሊም ምስኣካላት ፀፅታ ብምዃን ንዝገበርዎ ምትሕብባር አመስጊኑ።
ሓላፍነቶም ንዝተዋፅኡ ኣካላት…
ፍሉይ ሓይሊ ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ኣብ ዝተዳለወ ትልሚ ዘተ ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ኣብ ዝተዳለወ ትልሚ ዘተ ተገይሩ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ላዕለዎት መኮንናት መከላከያ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፖሊስ ፌዴራል፣ ኮሚሽነራት ፖሊስ ክልላትን ክልቲአንምምሕዳራት ከተማን ተረኺቦም።…
መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ምፅናት ዓሌት ሩዋንዳውያን ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ምፅናት ዓሌት ሩዋንዳውያን ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ተኻይዱ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸባ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ÷ ሓደ ሚሊየን ዜጋታት ዝቐጠፈ ምፅናት ዓሌት ሩዋንዳ መሕዘኒ ታሪኽ…
ኣብ ኣሜሪካ ዝነብራ ክልተ ኣሓት 7 ሺሕ መፃሕፍቲ ንቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ለጊሰን
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዝነብራ ክልተ ኣሓት ትውልደ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ንቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ዝኸውን 7 ሺሕ መፃሕፍቲ ንኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣረኪበን።
ወ/ሮ ኣያንቱ ኣበበ ብደቀን ኣቢሉ ዝተኣከቡ መፃሕፍቲ ነቲ ኤምባሲ ኣረኪበን።…
ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጥንታዊ ቤተ-መንግስቲ ፋሲለደስ ዑደት ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከብ ጥንታዊ ቤተ-መንግስቲ ፋሲለደስ ዑደት ገይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብቲ እዋን ዑደት÷ "ኣብዚ ቦታ ኣቦታትና ዝሰርሑዎ ኣዚዩ ዘደንቕ ጥበብን ናይ ኢድ ስራሕን ይረአ" ኢሎም፡፡…
ሚኒስቴር ምክልኻል ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት 220 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል 220 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ምክልኻል ማርታ ሉዊጂ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝገለፀኦ÷ እቲ ሰራዊት ወዲ ህዝቢ ብምዃኑ ሰላምን…
87 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)87 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤምባሲ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ብምትሕብባር ኢዩ ነቶም ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ገይሩ ዘሎ፡፡
ናብ ሃገሮም ካብ…
“በዓል ዓወት ዓድዋ ንዘጋጠሙናን ንዝገጥሙናን ፀገማት መውፅኢ ገይርና ክንጥቀመሉ ይግባእ” – ነበርቲ ክልል ትግራይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“በዓል ዓወት ዓድዋ ንዘጋጠሙናን ንዝገጥሙናን ፀገማት መውፅኢ ገይርና ክንጥቀመሉ ይግባእ” ክብሉ ነበርቲ ክልል ትግራይ ገሊፆም።
መበል 127 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣብ እግሪ ታሪኽ ዝተፀሓፈሉ ሶሎዳ ዓድዋ ብድምቀት ይኽበር…