Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ኣሜሪካ ኣተገባብራ ዝርገሐን ቁፅፅርን ኣፅዋራ ንኽትፍትሽ ቻይና ሓቲታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ጦር መሳርሒ ብዝተዓጠቑ ሁውከት ፈጠርቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ዝፍፀሙዎ ተግባር ራዕዲ ንኽትቆፃፀርን ስጉምቲ ንኽትወስድን ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዣኦ ሊጂያን ሓቲቶም፡፡
እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኣብ…
ኤልሳቤት ቦርን ቀዳማይ ሚኒስትር ፈረንሳይ ኮይኖም ተሾይመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤልሳቤት ቦርን ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ፈላመይቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ፈረንሳይ ብምዃን ብፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ተሾይመን።
ሚኒስትር ሰራሕተኛ እታ ሀገር ዝነበራ ኤልሳቤጥ ቦርን፥ ወዲ 61 ዓመት ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ዣን ካስቴክስ ተኪአን ቀዳማይ…
ሕብረት ኣውሮፓ ኩባኒያታት ካብ ሩሲያ ዝገብርዎ ዕድጊት ጋዝ ንክቕፅሉ ኣብ ዝቐረበ ትልሚ ተስማዕሚዑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዝተነበረ ማዕቐብ ብዘይፃረር መገዲ ኩባኒያታት ካብ ሩሲያ ዝገብርዎ ዕድጊት ጋዝ ንክቕፅሉ ኣብ ዝቐረበ ትልሚ ተስማዕሚዑ።
ሰብ መዚ እቲ ሕብረት ብመሰረት ዝገበርዎ ስምምዕ፥ እቶም ኩባኒያይ ንዝገዝእዎ ጋዝ ኣቐዲሞም…
ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ብምዃን ተመሪፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርላማ ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ንክኾኑ መሪፁ።
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ናይ መወዳእታ ኣወሃህባ ድምፂ ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ኣብ ስልጣን ንዝነበሩ መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆን ብምስዓር ኢዮም ተመሪፆም።
ኣብቲ ምርጫ ሞሓመድ…
ፊንላንድ ናብ ኔቶ ንምፅምባር ካቢኔ እታ ሃገር ወሲኑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፊንላንድ ናብ ትካል ሰሜን ኣትላንቲክ ጦር ቃል ኪዳን (ኔቶ) ክትፅምነር ከምትደሊ ካቢኔ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሳውሊ ኒኒስቶ ምስ ካቢኔኦም ኣብ ዝነበሮም ኣኼባ፥ ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ንምዃን ኣብ ተቕርቦ ሕቶ ኣባልነት…
ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ፕሬዚዳንት ሕቡራት ኢሚሬት ዓረብ ብምዃን ተሸይሞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሼክ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያ ፕሬዚዳንት ሕቡራት ኢሚሬት ዓረብ ብምዃን ተሸይሞም።
ላዕለዋይ ቤት ፈርቲ እታ ሃገር ከምዝበሎ፥ ትማሊ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩ ነበር ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሼክ ካሊፋ ቢን ዛይድ አል ናህያንን ብምትካእ ኢዮም…
ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሰሜን ኮሪያ ንመጀመርታ ጊዘ ተረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ግንቦት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሰሜን ኮሪያ ንመጀመርታ ጊዘ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።
ናይታ ሃገር ጣቢያ ቴሌቪዥን ከምዝበሎ፥ ዓሌት እቲ ዝተረኸበ ቫይረስ ኣሚክሮን ቫይረስ ኢዩ።
ስለዝኾነ ምርካብ እቲ ቫይረስ ስዒቡ ጥቡቕ ገደብ ምንቅስቓስ ተነቢሩ ኣሎ።…
ኣሜሪካ ምስ ሩሲያ ኲናት ውክልና ተካይድ ኣላ – ዲሚትሪ ሜድቬዲቭ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ንዩክሬን ብምሕጋዝ ምስ ሩሲያ “ኲናት ውክልና” እናካየደት ምዃና ነበር ፕሬዚዳንት ሩሲያ ዲሚትሪ ሜድቬዲቭ ገሊፆም።
እቶም ነበር ፕሬዚዳንት እዚ ዝበሉ ኣሜሪካ ንዩክሬን ንምሕጋዝ ተወሳኺ 40 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ዘቕረበቶ ሓሳብ ባይቶ…
ዩን ሱክ ዮል ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኮሪያ ብምዃን ቃለ ማሕላ ፈፂሞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩን ሱክ ዮል ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኮሪያ ብምዃን ቃለ ማሕላ ፈፂሞም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ቀፀልቲ ሓሙሽተ ዓማውቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኮሪያታት ዘሎ ምስሕሓብ ንምዝሓል ኣድሂቦም ከምዝሰርሑ ቃል ኣቲዮም።
ኣብ ስነሰርዓት እቲ ቃለ ማሕላ፥…
ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዘይቲ ሩሲያ እገዳ ከንብራ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዘይቲ ሩሲያ ናብ ሃገረን ከየኣቱ እገዳ ከንብራ ከምዝኾና ተገሊፁ።
እተን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ፅዕንቶ ንምፍጣር ብዝብል ነዳዲ ዘይቲ ሩሲያ ኣብ ረብሓ ከይውዕል ወይ እውን ናብ ውሽጢ…