Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ኣብ ኣሜሪካ ትማሊ ጥራሕ 100 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ትማሊ ጥራሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም።
ንምዕባለታት መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ዝከታተል ፕሮጀክት ኣሰር ኮቪድ ቑፅሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣትው ከም ዝወሰኸ እኳ እንተገለፀ፥ ብምኽንያት ምውሳኽ መርመራ ከም ዘይኮነ ግን…
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብኮቪድ 19 ብምጥርጣሮም ኣብ መፅንሒ ክፍሊ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ዳይሬክተር ጄኔራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብኮቪድ 19 ብምጥርጣሮም ናብ መፅንሒ ክፍሊ ተፈሊዮም።
ዶክተር ቴድሮስ ብቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ፊት ንፊት ብምርኻቦም ናብ ናይ ወልቀ መፅንሒ ክፍሊ ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ…
140 ስደተኛታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ሴኔጋል ከምዝጠሓሉ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)140 ስደተኛታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ሴኔጋል ከምዝጠሓሉ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ከምዝገፆ፥ 200 ስደተኛታት ዝፀዓነት ጃልባ ኣብ ጥቓ እቲ ገምገም ባሕሪ ጥሒላ ኢያ።
60 ዝኾኑ ሰባት ካብቲ ሓደጋ ምትራፍ ከምዝተኽኣለ…
ፕሬዚዳንት ሰኔጋል ማኪ ሳል ንዝመርሕዎ መንግስቲ ኣፍሪሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ምዕራብ ኣፍሪካዊት ሃገር ሰኔጋል ዝኾኑ ማኪ ሳል ነቲ ዝመርሕዎ መንግስቲ ከም ዘፍረስዎ ካብ ቤት ፅሕፈት እቶም ፕሬዚዳንት ዝተወሃበ መግለፂ ሓቢሩ።
ፕሬዚዳንት ማኪ ሳል ኣርባዕተ ድንጋገታት ዝሓዘ ኣዋጅ ከምዝኸተሙ ተገሊፁ።
ይኹን…
ፕሬዚዳንት ኣልጄሪያ ናብ ሆስፒታል ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣልጄሪያ ዓብደልማጂድ ቴቦኔ ብሕማም ናብ ሆስፒታል ኣቲዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኣልጀሪያ ወሳኒ ህዝበ ውሳነ ሕገ-መንግስቲ ንምግባር ኣብ ምድላው ኣብ ትርከበሉ እዋን ኢዮም ኣብ ከተማ ኣልጀርስ ናብ ዝርከብ ወታደራዊ ሆስፒታል ኣቲዮም…
ዓለም ለኸ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢብ46 ሚኢታዊ ምንካይ ኣርኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብ46 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዘርአየ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጉባኤ ንግዲን ልምዓትን (ዩኒታድ) ኣፍሊጡ።
እቲ ጉባኤ ዝዓበየ ምንካይ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዘጋጠመ ኣብ ውሽጢ ዝማዕበላ ሃገራት እንትኸውን፥…
ኣርሜንያን ኣዘርባጃንን ዝጀመርኦ ኲናት ንከቋርፃ ተሰማሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብቲ ንክልቲኤን ዘሰሓሕብ ዘሎ ዞባ ናጎርኖ ካራባክ ብሞንጎኝነት ኣሜሪካ ኣብ ተዂሲ ናይ ምቁራፅ ስምምዕ በፂሐን።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፅኦ ሓበሬታ፥ እተን ክልተ ሃገራት ድሕሪ ሓያል ፃዕሪ ዝሓተተ ክትዕ ናብ…
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንሱዳን ካብ መዝገብ ደገፍቲ ግብረ ራዕዲ ኣሜሪካ ዘልዕላ ክታም ኣንቢሮም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት ከምዝተሰማምዐት ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ንሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ኣሜሪካ ድሕሪ ምልዓሎም'ዩ ነቲ ምስ እስራኤል ዝተበፅሐ ስምምዕ ኣፍሊጦም።…
ቻይና ኲናት ከምዘይትፈርሕ ዢ ጂምፒንግ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕዚዳንት ቻይና ዢ ጂምፒንግ ሃገሮም ኲናት ከምዘይትፈርሕን ኣብ ሉኣላዊነት፣ ድሕንነትን ልምዓትን ዘለዋ ድሌት ትሑት ተገይሩ ክረአ ከምዘይትፈቅድን ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ጦር ቻይና ናብ ኲናት ኮሪያ ዝኣተወሉ መበለ 70 ዓመት ምኅንያት ብምግባር…
ኢራን ንመረፅቲ ፓርቲ ዴሞክራት ዘፈራርሑ ኢሜይላት ከምዝለኣኸት ትካል ስለያ ኣሜሪካ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ንመረፅቲ ፓርቲ ዴሞክራት ዘፈራርሑ መልእኽታት (ኢሜይል) ምልኣኻ ሰበ መዚ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ(ኤፍ ቢ ኣይ) ገሊፆም።
እቶም መልእኽታት ካብ ሕሉፍ የማናዊ ደገፍቲ ትራምፕ ዝተልኣኹ ዝመስሉ'ኳ እንተኾኑ፥ ነዚ መልእኽቲታት ዝሰደደቶ ግን…