Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

ሩሲያ ኣብ ጣያታት መፈልፈሊ ሓይሊ ዩክሬን ደብዳብ ኣየር ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኲናት ዩክሬን-ሩሲያ ብዕሊ ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝለዓለ ዝተብሃለ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መፈልፈሊ ሓይሊ ዩክሬን ዒላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ከምዝፈፀመት ተገሊፁ፡፡ በዚ ድማ ሩሲያ 120 ሚሳኤላት ከምኡ እውን 90 ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት…

ኤሎን መስክ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኢራን ኣብ ውሕመ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 47 ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ብምዃን ዝተመረፁ ዶናልድ ትራምፕ ሓላፊ ክፍሊ ኣፈፃፅማ ምምሕዳር መንግስቲ ብምዃን ዝተሾሙ ኤሎን መስክ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኢራን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣሚር ሰኢድ ኢራቫኒ ተዛትዮም፡፡ ብግልፂ ብዘይተነረገሉ…

ሶማሊላንድ ኣብ ፅባሕ ምርጫ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ትማሊ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ዘካየደት ሶማሊላንድ ሎሚ መዓልቲ ናብ ስሩዕ መንቅስቓሳ ከምዝተመለሰት ተገሊፁ። እቲ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ አንትካየድ ኣብዝሓ ትካላት ነግዲ ተዓፂየንን ፍቓድ ካብ ዝተውሃቦም ሒደት ተሽከርከርቲ ወፃእ ምንቅስቓስ ተገዲቡ ውዒሉ…

ኣብ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቡንባ ሀይወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዋና ከተማ ሶማሊያ ዝኾነት ከተማ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቡንባ ሀይወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ። እቲ ኣብ ወሰን መገዲ ሞቃዲሾ ዘጋጠመ ምፍንጃር ቡንባ ኣብ መኪና ኣባላት ደሕንነት ዘነፃፀረ ከምዝነበረ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ በቲ መጥቃዕቲ…

ፕሬዚዳንት ባይደን ንትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ተቐቢሎምዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሓላፍነት ዝሰናበቱ ጆባይደንን ተተካኢኦም ዶናልድ ትራምፕን ኣብ ስልጣን ስግግር ብዛዕባ ዝህልዉ ኩነታታት ጠሚቶም ክዛተዩ እዮም ዝብል ትፅቢት…

ኤሎን መስክ ሓላፊ ክፍሊ ኣፈፃፅማ መንግስቲ አሜሪካ ብምዃን ተሾይሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር 4፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ወናኒ ኩባኒያታት ኤክስን ቴስላን ኤሎን መስክ ኣብ ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ትራምፕ ሓላፊ ክፍሊ ኣፈፃፅማ መንግስቲ አሜሪካ ብምዃን ሹመት ተዋሂቡዎ፡፡ ቁፅሪ ሓደ በዓል ሃፍቲ ዓለም ኤሎን መስክ ምስ ነበር ተቐዳሚ ሕፁይ ሪፐብሊካን ቪቪክ ራማስዋሚ ብሓባር…

ኣብ ሶማሌላንድ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሶማሌላንድ 4ይ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ። እቲ መረፃ ንሶማሌላንዳውያን ወሳኒ ከምዝኾነ መረፅቲ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ እቲ መረፃ ንሰላም፣ ልምዓትን ሓድነቶምን ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እቲ መረፃ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንክልተ ዓመት…

ሂዝቦላህ 50 ሮኬታት ናብ ሰሜን እስራኤል ኣወንጪፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ዕጡቕ ሊባኖሱ ዝኾነ ሂዝቦላህ 50 ሮኬታት ናብ ሰሜን እስራኤል ከምዘወንጨፈ ተገሊፁ። ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር አስራኤል፥ ሂዝቦላህ ኣብ ሰሜን እስራኤል ካርሚኤል ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ  50 ሮኬታት ብምውንጫፍ ንዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ክሳብ ሐዚ ኣብ…

ንሰራሕተኛታቶም ብነፃ ምግቢ ዘቕርቡ ኩባኒያታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ትካላት ናይ ሰራሕተኛታቶም ዓቕሚ ፀንቂቖም ንምጥቃምን ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕን ዓሊሞም ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ይህቡ። ካብ መንጎ እቶም ትካላት ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ገዘፍቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ፥ ፌስቡክ፣ ጉግል፣ ኣፕል፣ ኤክስን…

ቢዮንሴ ኣብ ታሪኽ ግራሚ 99 ግዜ ንሽልማት ብምሕራይ ክብረወሰን ሒዛ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕፁያት ሽልማት ግራሚ 2025 ዓ.ም.ፈ ትማሊ ወግዓዊ ክኸውን እንከሎ፥ ቢዮንሴ ብ11 ዓውዲታት ሕፅይቲ ብምዃን ከምዝቐረበት ተገሊፁ። ንዓኣ ስዒቦም ብሸውዓተ ዓውዲታት ሕፁያት ኰይኖም ዝቐረቡ ኬንድሪክ ላማር፣ ቻርሊ ኤክሲኤክስን ቢሊ ኣይሊሽን እዮም።…