Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሳኺ ማዕቐብ ክተንብር ኢያ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሳኺ ማዕቐብ ከምተንብር ኣፍሊጣ።
ኣማኻ ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን÷ “ኣሜሪካ ኣብ ሰብ ኣልቦ ድሮንን ፕሮግራም ሚሳኤልን ኢራን ዒላማ ዝገበረ ማዕቐብ ክተንብር ኢያ” ኢሎም፡፡
ካብዚ…
እስራኤል ኣብ መርሃ ግብሪ ሚሳኤል ኢራን ሓዱሽ ማዕቐብ ንኽንበር ፃውዒት ኣቕሪባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ትፅቢት ዘይተገበረሉ መጥቃዕቲ ኣብ ግዝኣታ ምብፅሑ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መርሃ ግብሪ ሚሳኤል ኢራን ሓዱሽ ማዕቐብ ንኽንበር ፃውዒት ኣቕሪባ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ናይ መልሲ ስጉምቲ ክትወስድ ኢያ ብዝብል ብዙሓት…
ብሪክስ ኣማራፂ ዓለም ለኸ ስርዓት ገንዘብ ክፈጥር ኣለዎ – ኣምባሳደር ቻም ኡጋላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪክስ ኣማራፂ ዓለም ለኸ ስርዓት ገንዘብ ክፈጥር ኣለዎ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ቻም ኡጋላ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ቻም ኡጋላ ምስ መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ዝኾነ ኣርቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኢኮኖሚአን ንምጥንኻር…
ኢራንን እስራኤልን ካብ ጎንፂ ንኽዕቀባ ውሕመ ኣተሓሳሲቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኢራንን እስራኤልን ናብ ኲናት ክኣትዋ ይኽእላ ኢየን ብዝብል ስግኣት፤ ንባዕለን ንኽቆፃፀራ ሓቲቱ፡፡
ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ትማሊ ኣብ ዘካየዱዎ ህፁፅ ኣኼባ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ደብዳብ ኣየር ስዒቡ እቲ ዞባ…
ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዝካየድ ዝኾነ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ኣሜሪካ “የለኹሉን” ኢላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዝፍፀም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ኣሜሪካ ከምዘይትሳተፍ ንእስራኤል ከምዘጠንቀቐት ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊፆም።
ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ምሸት ቀዳም ለይቲ ልዕሊ 300 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኢራን ናብ…
እስራኤል ካብ ኢራን ዝተፈነዉላ 300 ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላናትን ሚሳኤላትን ከምዘፈሸለቶም ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ካብ ኢራን ዝተፈነዉላ ልዕሊ 300 ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላናትን ሚሳኤላትን ባዕላን ምስ ሓገዝታ ብምዃን 99 ሚኢታዊ ክተፍሽሎም ከምዝኸኣለት ኣፍሊጣ።
ይኹን እምበር ኣብ ግዝኣታ ትሑት መጠን ዘለዎ ደብዳብ ከምዝተፈፀመን በዚ ድማ ኣብ ደቡባዊ…
ኣሜሪካ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሰራሕተኛታታ ክልከላ ጉዕዞ ገይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ካብ ኢራን መጥቃዕቲ ክፍኖ ይኽእል ብዝብል ስግኣት ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታታ ክልከላ ጉዕዞ ከምዝገበረት ተገሊፁ፡፡
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ እስራኤል፤ ንጥንቃቐ ተባሂሉ እቶም ዲፕሎማሰኛታ ካብ ከባቢታት እየሩሳሌም፣ ቴልአቪቭ ወይ ድማ…
እንግሊዝ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ፍሪታት ዕምበባ እተኽፍሎ ዝነበረ ቀረፅ ገዲፋቶ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እንግሊዝ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ፍሪታት ዕምበባ እተኽፍሎ ዝነበረ ቀረፅ ከምዝገደፈቶ ኣፍሊጣ።
እተን ሃገራት መስ እንግሊዝ ዘለወን ልውውጥ ንግዲ ቀሊልን ምቹእን ንምግባር ዓሊሙ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዝኾነ…
ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘሎ ክፋል ኣፍሪካ ኣብ 2024 ዝሐሸ ዕቤት ኢኮኖሚ ክምዝገብ ኢዩ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘሎ ክፋል ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2024 ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሐሸ ዕቤት ኢኮኖሚ ክምዝገብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ባንኪ ዓለም ገሊፁ።
እቲ ባንኪ ኣብ ዘውፀኦ ሓዱሽ ፀብፃብ÷ ብመፅናዕቲ ዘረጋገፆ ቅድመ-ግምት…
ኣብ ሞዛምቢክ ብሓደጋ ምስማጥ ጃልባ ልዕሊ 90 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜናዊ ጠረፍ ባሕሪ ሞዛምቢክ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምስጣም ጃልባ ልዕሊ 90 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ፡፡
ኣብ ሞዛምቢክ ሰብ መዚ ግዝኣት ናምፑላ÷ እታ ጃልባ 130 ዝኾኑ ሰባት ኣሳፊራ ከምዝነበረትን ካብቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተረፉን ተዛሪቦም፡፡…