Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያ ሩሲያ ታንኪታት ኔቶ ንዘዕነወ ወታደር 70 ሺሕ ዶላር ሽልማት ክህብ ኢየ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍራዪ ኬሚካል ዝኾነ ፎረስ ዝተብሃለ ኩባንያ ሩሲያ ታንኪታት ኔቶ ንዘዕነወ ወታደር 70 ሺሕ ዶላር ሽልማት ከምዘቕረበ ገሊፁ። እቲ ኩባንያ÷ ኣብ ዩክሬን ታንኪታት ኤም 1 ኣብራምስን ሊዮፓርድ- 2 ንዘዕንዉ ወታደራት ሽላመት ከምዝህብ ኣፍሊጡ ኣሎ።…

ኣፈጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈጉባዔ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተርኪሂ ዘቲዮም። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሎ እወንታዊ ምትሕብባር ኣጠናኺርና ምቕፃል ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንልዕሊ 284 ሺሕ ዜጋታ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ልምዓት ስራሕ፣ ኢንተርፕራይዝን ኢንዱስትሪን ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ን284 ሺሕን 998 ዜጋታ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ምውፋርን ምስፍሕፋሕን ስራሕ እቲ ቢሮ ሰብሓዲን ሱልጣን ንፋና ብሮድካስቲንግ…

ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ብ7 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ክዓቢ ኢዩዝብል ትፅቢት ኣሎ – ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ብ7 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዝምዝገበሉ ከምዝኾነ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ከምዘመላኽት ተሓቢሩ። ሓፈሻዊ ገምጋም ኣፈፃፅማ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት…

ኣብ ክሊ ብዙሕ ፈተናታት ብምዃን ኢኮኖሚና ብዝተባባዕ ኩነታት ይጠናኸር ኣሎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ዝግበር ዘሎ ገምጋም ኣመልኪቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዓውዲ ቱሪዝም ንምጉልባት ኣካል…

ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ጉዳያት ብምጥማት ምስ ነበርቲ ከተማ ኣርባ ምንጭን ከባቢኣን ልዝብ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ጉዳያት ብምጥማት ምስ ነበርቲ ከተማ ኣርባ ምንጭን ከባቢኣን ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ። እቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሚኒስትር መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ኣብርሃም…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዝተረኸብሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ፍርቂ ዓመት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ገምጋም ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተፈፀሙ ተግባራት ብዝምልከት ዘተ ይግበረሉ ከምዘሎ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ…

ቻይና ዝሰርታ “ሲ 919” ኣውሮፕላን ፈላማይ ስሩዕ በረራኣ ብዓወት ኣሳሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ዝሰርታ “ሲ 919” ዝዓይነታ ኣውሮፕላን ተጓዓዝቲ ድሕሪ ፈተነ ትማሊ ፈላማይ ስሩዕ በረራኣ ብዓወት ኣሳሊጣ። እታ ኣውሮፕላን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 26 ታሕሳስ 2022 ፈተነ በረራ 100 ሰዓታት ምግባር ብምዝኽኻር ሲጂቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡…

ስራሕቲ ምድምሳስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣመራርሓታት እቲ ወፍሪ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ጉጂን ቦረናን ጎረባብቲ ከባቢታት ክልል ሶማሌን ወፍሪ ምድምሳስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብዝተተለሞ ከይዲ ይስራሕ ከምዘሎ መራሕቲ እቲ ወፍሪ ገሊፆም፡፡ ኣብ ናፃ ዝወፃ ቀበሌታት ድማ እቲ ወፍሪ ብዝመርሑ ኣመራርሓታት ምክልኻል…

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ወድዓዊ ሃገራዊ ኩነታት ዘድሃበ ዘተ ይካድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ወድዓዊ ሃገራዊ ኩነታት ዘድሃበ ዘተ ይካድ ኣሎ፡፡ ኣብታ ክልል ኣብ ወድዓዊ ሃገራዊን ክልላዊን ዛዕባታት ከምኡ እውን ፖለቲካውን ኩነታት ፀጥታን ዝዝቲ ህዝባዊ ዋዕላ ይካየድ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ዘተ ርእሰ ምምሕዳ…