Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 50 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ከቢድ ዝናብ ክረምቲ ዝሰዓበ ውሕጅን ዕልቕልቕን ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ። ብተወሳኺ ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወ ትካላት ረድኤት መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢረን። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ብዝዘነበ…

መንግስቲ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ ጠሚቱ ይሰርሕ ኣሎ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ ጠሚቱ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም። መበል ካልኣይ ብሄራዊ ጉባኤ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ። እቲ ጉባኤ “ዘላቒ ስራሕ ንብሩህ ፅባሕ” ዝብል…

 “ቢንቶ” ኣልዋሃ ተሽከርከርቲ ምሕላፍ ኣብ ዘይኽእላሉ ብርኪ ምብፅሑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) “ቢንቶ” ኣልዋሃ ብምኽኒያት ውሕጅ ክራማት ተሽከርከርቲ ምሕላፍ ኣብ ዘይኽእላሉ ብርኪ ምብፅሑ ተገሊፁ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ራያ ቆቦ ኮማንደር ነጋ ድንበሩ፥ እቲ ቢንቶ ቅድመ ሐዚ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ልዑል ጉድኣት ከመዝበፅሖ ተዛሪቦም።…

ብሪታኒያ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ንግዳዊ ርክባት ንምሕያል ዝዓለመ ምቕናስ ቀረፅ ክተካይድ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪታኒያ ምስ ድኻ ሃገራት ዘለዋ ንግዳዊ ርክባት ንምሕያል ዝዓለመ ካብተን ሃገራት ኣታዊ ኣብ እትገብሮም ኣማኢት ዓይነታት ፍሪያታት ዝፀንሐ ቀረፅ ከምእተጉድሎ ገሊፃ። እቲ ካብ መጀመርታ ናይ ዝመፅእ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን መደብ…

ዓውዲ ስራሕን ክእለትን ናይ ኩሉ ተሳትፎ ይጠልብ- ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ስራሕን ክእለትን ብዙሓት ዕድላተን ዕንቅፋታትን ዘለውዎ፣ ናይ ኩሎም ኣካላት ተሳትፎን ምንቅስቓስን ዝጠልብ ዓውዲ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ተዛሪበን። መበል ካልኣይ ብሄራዊ ጉባኤ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።…

ጉጅለ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ኣብ ግድብ ህዳሰ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ነሓሰ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፍሉይ ኣማካሪ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ኮንግ ቲፕቲፕ ጋትሉዋክ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ኣብ ግድብ ህዳሰ ትማሊ ዑደት ገይሩ። እቶም ኣባላት ስራሕቲ ምምሕያሽ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እውን ዑደት ኣካይዶም። ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ብምዃን ንዝተመረፁ ዊሊያም ሩቶ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ አመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ብምዃን ንዝተመረፁ ዊሊያም ሩቶ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ አመሓላሊፎም። ምክትል ፕሬዚደንት ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ዊልያም ሩቶ ሳሙኤል ኣብ ፕረዚዳንታዊ ምርጫ ኬኒያ ከምዝተዓወቱ ተገሊፁ።…

ኣብ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ኬኒያ ዊልያም ሩቶ ከምዝተዓወቱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚደንት ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ዊልያም ሩቶ ሳሙኤል ኣብ ፕረዚዳንታዊ ምርጫ ኬኒያ ከምዝተዓወቱ ተገሊፁ። ኣቦመንበር ኮሚሽን ምርጫ ኣብ ዝገለፆ ውፅኢት ምርጫ ዊልያም ሩቶ 50 ነጥቢ 49 ሚእታዊት ብምርካብ ከምዝተዓወቱ ኣፍሊጦም።…

ስትራቴጂ መምርሒ ምክልኻል ግዕዝይና ኣካላት ዳይነት ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑ ፌዴራል ኣብ ዳይነት ኣብያተ ፈርዲ ፌዴራል ዝረኣዩ ተግባራት ግዕዝይና ንምክልኻልን ምቁፅፃረን ዘኽአል ስትራቴጂ መምርሒ ኣፅዲቑ። እቲ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ኣበ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኢዩ ነቲ መምርሒ ኣፅዲቑ ተባሂሉ። ናፃነት…

1 ሺሕን 4 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ብሰለስተ ዙር ብዝተገበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ ብሓፈሻ ቁፅሮም 1 ሺሕን 4 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ዜጋታት 13 ህፃናትን ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡ ተመለስቲ ግቡእ…