Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ምሕዝነቶም ንምጥኝኻር ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሸሙ ተፀዋዒ ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክላውድ ጂቢዳርን መሳርሕቶምን ተዛቲየን። ኣብ ዘተኦም ድማ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም እናገበሮ ዝርከብ ሰብኣዊ…

ዓለም ለኸ ኩባኒያታትን ኢንቨስትመንት ባንኪታትን ኣብ ሰነድ ዕዳጋ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ድሌቶም እናገለፁ ይርከቡ – ብሄራዊ ባንኪ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኩባኒያታትን ኢንቨስትመንት ባንኪታትን ኣብ ሰነድ ዕዳጋ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ድሌቶም እናገለፁ ምዃኖም ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ካፒታል ዕዳጋ ኣብ ኢትዮጵያ ንምጅማርን እቲ ዕዳጋ ንምምራሕን ዝፀደቐ ኣዋጅ ኣመልኪቶም…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ክልተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ክልተ ሰባት ሓሊፉ። እቲ ሓደጋ ትማሊ ለይቲ ሰዓት 10፡00 ዕስራን ኣርባዕተን እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ ኢዩ ኣጋጢሙ፡፡ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ክልተ ሰባት ሽዑንሽዑ ህይወቶም እንትሓልፍ፥…

ሕብረት ኣውሮፓ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ። ሓላፊ ምትሕብባር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፋን ሎክ ምስ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም…

ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ንተግባራዊነት ዝተጣየሸሉ ሃገራዊ ኣጀንዳ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ቁርፀኛታት ክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ንተግባራዊነት ዝተጣየሸሉ ሃገራዊ ኣጀንዳ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ቁርፀኛታት ክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ ፓርቲታት ፖለቲካን መንግስቲን ብዝበለፀ ቁርፀኛታት ንክኾኑ ፀዊዑ። እቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ እዋናዊ…

ምክልኻል ሕማምን ምምዕባል ጥዕናን መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ብምትግባሩ ዝተባባዕ ውፅኢት ምምዝጋቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክልኻል ሕማምን ምምዕባል ጥዕናን መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ብምትግባሩ ዝተባባዕ ውፅኢት ምምዝጋቡ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ድጉማ ገሊፁ። ልዕሊ 22 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሰባት ብጥዕና ስነ ተዋልዶ፣ ስርዓተ ፆታን ኣገልግሎት ትልሚ…

ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮ-ቱርኪ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ምስ ኣዳና ቻምበር ኦፍ ፎረምን ኣዳና ቆንስላን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮ-ቱርኪ ተሳሊጡ። ኣብቲ ፎረም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨሰትመነት ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ተረኺቦም። ፕሬዚዳንት ቤት…

ዘይተዛዘሙ ፕሮጀክትታት ካፒታል ኣብ በጀት ዓመት 2015 ብንኡስ ወፃኢ ናብ ኣገልግሎት ንክኣትዉ ልዑል ፃዕሪ ከምዝግበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘይተዛዘሙ ፕሮጀክትታት ካፒታል ኣብ በጀት ዓመት 2015 ብንኡስ ወፃኢ ናብ ኣገልግሎት ንክኣትዉ ልዑል ፃዕሪ ከምዝግበር ሚኒስትር ደኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ዶክተር እዮብ ተካልኝ ገሊፆም። ነዚ ድማ ብማዕቐፍ ፊስካል ፖሊሲ ንምምራሕ ምድላው ይግበር…

ምዕራባውያን ንሩሲያ ካብ ኢኮኖሚ ዓለም ንምንፃል ዝገብርዎ ፃዕሪ ኣይዕወትን-ፕሬዚዳንት ፑቲን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕራባውያን ንሩሲያ ካብ ኢኮኖሚ ዓለም ንምንፃል ዝገብርዎ ፃዕሪ ኣይዕወትን ክብሉ ፕሬዚዳንት ሩሲ ቭላድሚር ፑቲን ገሊፆም። ፕሬዚዳንት ፑቲን ብኢንተርኔት ኣብ ዝተገበረ ፎረም ሃገራት ኣውሮፓን እስያን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ንሩሲያ ብማዕቐባት…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ከተማ ማላቦ ኣትዮም። ኣብ ናይጄሪያ ንክልተ መዓልታት ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዝገበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዝነበሮም ፃንሒት ብምዝዛም ሎሚ መዓልቲ ናብታ ከተማ ኣምሪሖም። ምስ ጉጅለ ልኡኾም…