Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘላቒ ድንጋገ ውሕስና ሓለዋ ሃፍቲ እንስሳት ኣፍሪካ ንኽፀድቕ ንዘበርከተቶ ግደ ኣፍልጦ ተዋሂቡዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ እዋን 5ይ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ዘላቒ ድንጋገ ውሕስና ሓለዋ ሃፍቲ እንስሳት ኣፍሪካ ንኽፀድቕ ንዘበርከተቶ ግደ ኣፍልጦ ተዋሂቡዋ። ኣብ ከባቢያዊ ጉባኤ ውሕመ ሃፍቲ እንስሳት ንምሕላውን ብዘላቕነት ንምጥቃምን…

ሚኒስትር ፍትሒ እናሰርሑ ኣብ ዝርከቡ ምምሕያሻት እቲ ዓውዲ ኣመልኪቶም ምስ ኣፈፃሚት ጉዳይ መንግስቲ ኣሜሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ እናሰርሑ ኣብ ዝርከቡ ምምሕያሻት እቲ ዓውዲ ኣመልኪቶም ምስ ኣፈፃሚት ጉዳይ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ስዒቡ ብዝተገበረ ምምሕያሽ ሕጊን ናፅነት…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ሕቡራት ኢሚረሬታት ዓረብ ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ሕቡራት ኢሚረሬታት ዓረብ ሼኽ ኻሊፋ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣብ ኤምባሲ ሕቡራት ኢሚሬታ ዓረብ ተረኺበን ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን። እተን ፕሬዚዳንት እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘሰናደኦ መዝገብ መግለፂ…

ኢትዮ ቴሌኮም ማእኸል ሓበሬታ ሞጁላር ብሓባር ንምጥቃም ዘኽእል ስምምዕነት ምስ ኣርባዕተ ትካላት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ማእኸል ሓበሬታ ሞጁላር ብሓባር ንምጥቃም ዘኽእል ስምምዕነት ምስ ዝተፈላለዩ ኣርባዕተ ትካላት ፋይናንስ ተፈራሪሙ። እቲ ትካል እቲ ስምምዕነት ተፈራሪሙ ዘሎ ምስ ባንኪታት ዘመን፣ ዘምዘምን ሂጅራን ከምኡ እውን ምስ ትካላት ፋይናንስ ሬስ…

ዶክተር ሊያ ታደሰ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪተን ምስ ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪተን ሓዳሽ ምስ ዝተሸማ ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኢትዮጵያ ክላውዴ ጂቢዳር ተዛቲየን። ዘተአን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያ ጎንፂን ድርቂን ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታ ዝግበሩ ሰብ ኣዊ…

ኣምባሳደር ሌንጮ ባቲ ምስ ኣካቢ ቦርድ ቤት ምኽሪ ንግዲ ፌዴሬሽን ስዑድ ዓረብ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣምባሳደር ሌንጮ ባቲ ምስ ኣካቢ ቦርድ ቤት ምኽሪ ንግዲ ፌዴሬሽን ስዑድ ዓረብ ኣጅላን ኣብዱልኣዚዝ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ምስፍሕፋሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም። ኣብቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ…

ኢትዮጵያን ጃፓንን ምሕዝነተን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ኣድላዪ ፃዕሪ ንምግባር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ወይዘሮ ሰመረታ ሰዋሰው ምስ ኤምባሲ ጃፓንን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ጃፓንን ኣብ ፖሊሲ ኢኮኖሚ ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ። እተን ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ መደረአን ክሳብ ሕዚ ንዝተገበረ ሓገዝ ምስጋና ዘቕረባ እንትኾና፥ ኣብቲ…

ንኣምባሳደራትን ሓለፍቲ ኤጀንሲታትን ኣብ ኣፈፃፅማ ብሄራዊ ኢኮኖሚ መብርሂ ተዋሂቡ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ንኣምባሳደራትን ሓለፍቲ ኤጀንሲታትን ኣብ ኣፈፃፅማ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብሄራዊ ኢኮኖሚ መብርሂ ተዋሂቡ ይህብ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ንብሄራዊ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ፈተንቲ ዝነበሩን…

ሰለስተ ዳያኑ ኩዕሾ እግሪ ካብ ፕሪሜር ሊግ ተሰናቢቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ወላይታ ዲቻን ኢትዮጵያ ቡናን ክሲ ተመስሪቱዎም ዝነበሩ ሰለስተ ዳያኑ ኣብ ዝተረፉ ውድድራት ፕሪሜርሊግ ከይዳንዩ ተኣጊዶም። ኣብ መበል 24 ሰሙን ፀወታ ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ምስ ሃዲያ ሆሳእና ዝገበረኦ…

ዝተመረፁ ስራሕቲ ብምስላጥ ፅዕንቶ ናብራ ሕብረተሰብ ንምቅላል ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ -ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመረፁ ስራሕቲ ብምስላጥ ፅዕንቶ ናብራ ሕብረተሰብ ንምቅላል ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ኣብ ክፍለ ከተማ ኣብ ዝቕፅሉ 60 መዓልቲታት ዝሰርሑ ስራሕቲ ናይ…