Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብወገን ሱዳን ኣብ ናይ ሓባር ዶብ ዝተገበሩ ሓደሽቲ ለውጢታትን ምንቅስቓሳትን ዝፀንሑ ስምምዕነታት ዝጥሕሱ ብምዃኖም ብህፁፅ ደው ንክብል ኣተሓሳሲባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ካልኣይ ፖለቲካዊ ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሕ ጉዳያት ዶብ ኢትዮ ሱዳን ተዛዚሙ። እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ሱዳን ካርቱም ነክልተ መዓልታት ኢዩ ተሳሊጡ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ከባቢ ናይ ሓባር ዶብ ኣብ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ሓሳብ…

ስነ ስርዓት ቀብሪ ጋዜጠኛ፣ ኣርቲስትን ተመራማሪ ቋንቋን ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ስርዓት ቀብሪ ጋዜጠኛ፣ ኣርቲስትን ተመራማሪ ቋንቋን ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ሎሚ መዓልቲ ተፈፂሙ። ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ካብ ዝሓለፈ ክራማት ጀሚሩ ብዘጋጠሞ ፀገም ጥዕና ክትትል ሕክምና እናገበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ምሸት ካብዚ ዓለም ብሞት…

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ሰብ ሃፍቲ እስራኤል ቀልቢ ስሒቡ ኢዩ– ኣምባሳደር ራፋኤል ሞራቭ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ሰብ ሃፍቲ እስራኤል ቀልቢ ከምዝሰሓበ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ራፋኤል ሞራቭ ገሊፆም። ኣብ እስራኤል ኤምባሲ ኢትዮጵያን ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣፍሪካ እስራኤልን ብምትሕብባር ኣብ ጉዳይ…

ኢትዮጵያ ምስቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝህልዋ ዲፕሎሚያሲያዊ ርክብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ብዘኽበረ መገዲ ክቕፅል ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኢትዮጵያ ምስቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝህልዋ ዲፕሎሚያሲያዊ ርክብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ብዘኽበረ መገዲ ክቕፅል ኢዩ ከብሉ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም። ፕሬዚዳንት ትራምፕ ብፍላይ ኣብ ግድብ ህዳሰ…

ንሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝኾኑ 450 ሺሕ ታብሌታት ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትዉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝኾኑ 450 ሺሕ ታብሌታት ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትዉ ኢዮም ክብል ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ። ብኦንላይን ዝወሃብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ንምሃብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።…

ፀገም ፀፅታ መተከል ንምፍታሕ ዝሕግዝ ህዝባዊ ዘተ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ዘሎ ፀገም ፀፅታ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ህዝባዊ ዘተ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተጀሚሩ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ክብቲ ክልል ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ እናተሳተፉ ይርከቡ። እቲ ዘተ ሓደ ኣካል ናይ መርሃ…

በቢመዓልቱ ልዕሊ 300 ተሓከምቲ ኮቪድ-19 ናብ ፅኑዕ ሕክምና ከምዝኣትዉ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በቢመዓልቱ ልዕሊ 300 ተሓከምቲ ኮቪድ-19 ክትትል ፅኑዕ ሕክምና ከምዘድሊዮምን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ክሳብ 50 ዝበፅሑ ንመተንፈሲ ኣካል ዝሕግዝ ማሽን ዘድሊዮም ምዃኑን ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ…

እስራኤል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንራብዓይ ግዜ መረፃ ክተካይድ እያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ክልተ ቀንዲ ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እስራኤል ዘቖሙዎ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት በጀት ክሰማማዕ ስለዘይከኣለ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንራብዓይ ግዜ መረፃ ክተካይድ ክትግደድ እያ። እቲ መረፃ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝካየድ እንትኸውን፥…

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ክማልኡ ዝግበኦም ሰነዳት ዘየማልኡ 26 ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኩሎም ፓርቲታት ፖለቲካ ክማልኡዎም ዝግብኡ መለክዒታት ከማልኡ ብፅሑፍ ንኽበፅሐም ይግበር እምበር ክማልኡ ዝግበኦም ሰነዳት ዘየቕረቡ 26 ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ። ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትጵያ፥ ኣዋጅ ቁፅሪ…

ጋዜጠኛ፣ ኣርቲስትን ተመራማሪ ቋንቋን ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ጋዜጠኛ፣ ኣርቲስትን ኣብ ምዕባለ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝገበረ ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ። ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ካብ ዝሓለፈ ክራማት ጀሚሩ ብዘጋጠሞ ፀገም ጥዕና ክትትል ሕክምና እናገበረሉ ደሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ምሸት…