Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት 23ን 24 መስከረም 2013 ዓ.ም ተኸቢሩ ክውዕል ኢዩ – ኣባ ገዳታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት 23ን 24 መስከረም 2013 ዓ.ም ተኸቢሩ ከምዝውዕል ኣባ ገዳታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም። ብመሰረት እዚ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ 23 መስከረም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ በዓል ኢሬቻ ሆራ ኣርሰዲ ድማ 24…

ሚኒስቴር ጥዕና ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእል ኩነታት ምህላዉ እንተረጋግፀልና ትምህርቲ ክንጅምር ኢና – ሚኒሰስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእል ኩነታት ምህላዉ እንተረጋግፀልና ትምህርቲ ክንጅምር ኢና ክብሉ ሚኒሰስቴር ትምህርቲ ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ ኣፍሊጦም። እቶም ሚኒስትር፥ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ዝርከበሉ ደረጃ ተገምጊሙ ትምህርቲ ንምጅማር…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበን ስረሖም ንዝዛዘሙ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣሰናቢተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበን ስረሖም ንዝዛዘሙ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣሰናቢተን። እተን ፕሬዚዳንት ዘሰናበተኦም ኣምባሳደራት፥ ዘበን ስረሖም ዝዛዘሙ ኣምባሳደራት ስዊዘርላንድ፣ ኢራንን የቻይናን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።…

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝተረኸበ ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ መስከረም 06 ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝተረኸበ ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ከምዝተትሓዘ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ኣብቲ ክልል ዝርከባ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ ኬላታት ብዝተገበረ ፍተሻ፥ ብር 2 ሚሊየንን 370 ሺሕን…

ብውሕጅ ዝተመዛበሉ ወገናት ምላሽ ይወሃብ ኣሎ – ብሔራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክልላት ብመሰረት ዘቕርበኦ ሕቶ ብውሕጅ ንዝተመዛበሉ ወገናት ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ሓገዛት እናቕረበ ምዃኑ ብሔራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ካብ ድርቂ ቀፂሉ ኣብ ኢትዮጵያ እናተፈጠረ ብዝርከብ ተርእዮ…

274 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓርብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ከተማ ጅዳ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ፀገማት ዝነበሩ 247 ኢትዮጵያውያን ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። እቶም ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል…

ቤት ፍርዲ እኒ ኣይተ ጃዋር ኣእቲዮምዎ ዝተብሃለ መሳርሒ ሳትላይት ብምትካልን ብምሕባእን ክሲ ዝተኸፈተሎም ኣይተ ሚሻ ኣደም ጉዳዮም ኣብዘየለዉሉ ተመልኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ፍርዲ እኒ ኣይተ ጃዋር ኣእቲዮምዎ ዝተብሃለ መሳርሒ ሳትላይት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምትካልን ብምሕባእን ብገበም ዘይሕጋዊ ዝርገሐ መስመር ቴሌኮም ክሲ ዝተመስረተሎም ኣይተ ሚሻ ኣደም ጉዳዮም ኣብዘየለዉሉ ተመልኪቱ። ኣይተ ሚሻ ኣደም ብብር 20 ሺሕ…

ቀ/ሚ ኣቢይ ምንቅስቓስ ምትእኽኻብ እቶት ፕጀክታት ልምዓት ኮይሻ፣ ወንጪን ጎርጎራን ብዝምልከት ምስ ኮሚቴ መተሓባበሪ መኣዲ ንሃገር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምንቅስቓስ ምትእኽኻብ እቶት ፕጀክታት ልምዓት ኮይሻ፣ ወንጪን ጎርጎራን ብዝምልከት ምስ ኮሚቴ መተሓባበሪ መኣዲ ንሃገር ተዛቲዮም። ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ነዚ ተግባር እናለገሱ…

ባንኪ ዓለም ዕቤት ዓውዲ ሕርሻ ንምድጋፍ 80 ሚሊየን ዶላር ንኢትዮጵያ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ዓለም ዕቤት ዓውዲ ሕርሻ ንምድጋፍን ኣብ ንኡሽተይ መሬት ዝሓርሱ ሓረስቶት ዝሐሸ ኣማራፂ ንምፍጣርን ዘዓለመ 80 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓገዝ ገይሩ። ቦርድ ፈፃሚ ስራሕ ባንኪ ዓለም ኣካል እቲ ባንኪ ዝኾነ ማሕበር ዓለም ለኸ ልምዓት…

ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ንምርግጋዕን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ንምርግጋዕን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ቢሮ ፀፅታን ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ፌዴራልን ተዋዲዱ ብትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ። ስለዝኾነ ድማ…