Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ንመንግስቲ ኢደን ሂበን

ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ንመንግስቲ ኢደን ሂበን ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ካብ መንጎ ብሕጊ ዝድለዩ ኣባላት ጁንታ ህወሓት ሓንቲ ዝኾና ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ንመንግስቲ ኢደን ሂበን። ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት…

ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ከተማ ሽረ ኣብ ጉጅለ ህወሓት ዝነበረ ኣሰራርሓ ዝምድና ድሕሪ ሕዚ ከምዘይቕፅል ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.)ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ከተማ ሽረ ኣብ ጉጅለ ህወሓት ዝነበረ ኣሰራርሓ ዝምድና ድሕር ሕዚ ከምዘይቕፅል ኣረጋጊፆም። ብጉጅለ ህወሓት ዝነበረ ኔትዎርክ ዝምድና ኣሰራርሓ ካብ ድሕር ሕዚ ከይቕፅል ብምግባር ህዝቢ ብቕንዕና ንምግልጋል ምድላዎም ኣመራርሓ…

ኣባላት ጉጅለ ጁንታ ምስ ምህዳን ጎድኒ ንጎድኒ ክልል ትግራይ ናብ ስሩዕ ስርዓት ንምምላስ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕ ይግባእ-ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሕጊ ዝድለዩ ኣባላት ጉጅለ ጁንታ ምስ ምህዳን ጎድኒ ንጎድኒ ክልል ትግራይ ናብ ስሩዕ ስርዓት ንምምላስ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ምሁራን ተዛሪቦም። ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ምሁራን፥ ኣብቲ ክልል በቲ ጁንታ ዝዓነዉ…

ነበር ኣምባሳደር ቆንጅት ስነጊዮርጊስ ህያብ 2020 ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጃፓን ክወሃበን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኢትዮጵያዊት ነበር ኣምባሳደር ቆንጅት ስነጊዮርጊስ ህያብ 2020 ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጃፓን ክወሃበን ኢዩ። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጃፓን ኣምባሳደር ቆንጅት ካብ መንጎ እቶም ሎሚ ዘበን ህያብ ዝወሃቦም ውልቀ ሰባት ሓንቲ ከምዝኾና ኣፍሊጡ። እቲ…

ብኽፋል ተቛሪፁ ዝነበረ ህንፀት መገዲ ኣስፓልት ኣራራት -ኮተቤ -ካራ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኽፋል ተቛሪፁ ዝነበረ ህንፀት መገዲ ኣስፓልት ኣራራት -ኮተቤ -ካራ ይስራሕ ከምዘሎ በዓል መዚ መገዲታት ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። እቲ ህንፀት መገዲ ቅድሚ 3 ዓመት ዝተጀመረ እኳ እንተኾነ ኮተቤ ክሳብ ካራ ዘሎ ካልኣይ መዕራፍ ብሰንኪ ጉድለት ኣፈፃፅማ…

ሃገር ምግልጋል ማለት ዝጀርካዮ እናዛዘምካ ብዝተለምካዮ መስመር ንኻሊእ ዓወት ምጉዓዝ ትፅቢት ይግበር-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገር ምግልጋል ማለት ዝጀርካዮ እናዛዘምካ ብዝተለምካዮ መስመር ንኻሊእ ዓወት ምጉዓዝ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ቀዳማይ  ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ  ሚኒስትር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ጎሮ ንዝተተኸሉ ፈልሲታት ሎሚ መዓልቲ ማይ…

ኣብ መተከል ዝንቀሳቐሱ ተረፍ መረፍ ጁንታ ኢዶም ንክህቡ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከል ዝንቀሳቐሱ ተረፍ መረፍ ጁንታ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኢዶም ንኮማንድ ፖስት እቲ ዞባ ንክህቡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣተሓሳሲቦም። ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን፥ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናላተመ ዝነበረ…

ኣብ ጫካ ኣማዞን ኣብ ውሽጢ 12 ዓመት እቲ ዝለዓለ ብርሰት ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጫካ ኣማዞን ኣብ ውሽጢ 12 ዓመት እቲ ዝለዓለ ብርሰት ኣጋጢሙ እቲ ብርሰት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2008 ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ምርምር ጠፈር ብራዚል ኣፍሊጡ። ካብ ወርሒ ሰነ 2019 ክሳብ ሓምለ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ…

ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ንምህናፅ ኣብ ዘኽእል ቅኑዕ መገዲ ኢያ ዘላ- ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ

ኣዲስ ኣበባ ፣22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኣብ ቤሊጂየም  ሂሩት ዘመነ፥ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ንምህናፅ ኣብ ዘኽእል ቅኑዕ መገዲ ኢያ ዘላ ክብላ ተዛሪበን። እተን ኣምባሳደር ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ፥ ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ናይ ውሽጢ ጉዳይ…

ኬኒያ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ሕውነት ትኹረት ከምእትህብ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ህዳር ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኬኒያ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ሕውነት ትኹረት ከምእትህብ ገሊፃ። ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬኒያ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካን ሕብረት ኣፍሪካን ኣምባሳደር ጆርጅ ኦሪና ምስ ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኣብ ኬኒያ ኣይተ መለስ ኣለም ተዛቲዮም። ኣምባሳደር…