Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ካቡል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 27 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 27 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ። እቲ መጥቃዕቲ፥ ኣብ ዝኽሪ በዓል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ1995 ብጣሊባን ዝተቐተለ መራሒ ዓሌት ሃዝራ ዓብዱል ዓሊ ማዛሪ ዝተፈፀመ ኢዩ ተባሂሉ። በቲ…

ሚኒስቴር ሰላም ቀፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ሰላማዊ ኮይኑ ንምዝዛም ዝሕግዞ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ምስ ጀስቲስ ፎር ኦል ፒ ኤፍ - ኢትዮጵያ ብምውዳድ ቀፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ሰላማዊ ኮይኑ ንምዝዛም ዝሕግዞ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ። እቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ኣብ ሰለማዊን ዴሞክራሲያውን መሰላት ዘድሃቡ ስልጠናታት ንኣካላት ፀፅታን…

ኣይስክሪም ዝለሓሰ ውልቀ ሰብ 30 መዓልታት ክእሰር ተፈሪዱዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ቴክሳስ ካብ ናይ ዋል-ማርት ሱፐርማርኬት መዝሓሊ (ፍርጅ) ኣይስክሪም ወሲዱ ክልሕሶን መሊሱ ናብቲ መዝሓሊ ከቐምጦን ንነብሱ ብቪድዮ ዝሰኣለ ኣድርያን ኣንደርሰን ዝበሃል መንእሰይ ን30 መዓልቲ ክእሰር ከምዝተፈረዶ ተገሊፁ። እታ…

ፅንዓትን ጅግንነትን ዋዕሮታት ትግራይ ሓባሪ ብሩህ ጉዕዞ ህዳሴና – መንግስቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች ኤይት) ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መልእኽቲ፥ ፅንዓትን ጅግንነትን ዋዕሮታት ትግራይ ሓባሪ ብሩህ ጉዕዞ…

ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዘጋጥም ኣንበጣ ንምክልኻል ዘኽእል ተወሳኺ 10 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኻዊ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ(ዩ ኤስ ኤይድ) ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዘጋጥም ኣንበጣ በረኻ ንምክልኻል ዘኽእል ተወሳኺ 10 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ደገፍ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኬኒያን ሶማሊያን ንዘጋጥም ኣንበጣ ንምክልኻልን…

ካልኣይ ዙር ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ክቕፅሉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ክቕፅሉ ኢዮም። ብመሰረት እዚ ፅባሕ ቀዳም 28 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኢትዮጵያ ቡና ምስ ስሑል ሽረ ከምኡ'ውን ፋሲል ከነማ ምስ ኣዳማ ከተማ ክራኸባ ኢየን።…

ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ግብፂ ብምድጋፍ ሊግ ዓረብ ዝሃቦ ውሳነ ሓሳብ ነፂጋቶ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ግብፂ ብምድጋፍ ሊግ ዓረብ ዝሃቦ ውሳነ ሓሳብ ነፂጋቶ። ሊግ ዓረብ ብብርኪ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፥ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ቅዋም ግብፂ ብምድጋፍ ውሳነ ሓሳብ…

29 ለካቲት ካብ ኣደባባይ ሮማናት ናብ ጎቦ ጮምዓ መቐለ ጉዕዞ እግሪ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)29 ለካቲት 2012 ዓ/ም ካብ አደባባይ ሮማናት ናብ ጎቦ ጮምዓ ጉዕዞ እግርን ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ሽግ ኦሎምፒክ ቶክዮን ከምዝካየድ ማሕበር ልምዓት ጮምዓ መስቀል መቐለ ገሊፁ። እቲ ጉዕዞ እግሪ "ጥዕናን ልምዓትን ንመኸተ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ…

ኢትዮጵያ ብልፅቲ ተበፃሒት ቅድመ ታሪኽ ቅሪት ኣካልን መካነ ሓድጊን ብምዃን ሽልማት ፖትዋ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ናይዚ ዓመት ብልፅቲ ተበፃሒት ቅድመ ታሪኽ ቅሪት ኣካልን መካነ ሓድጊን ሃገር ብዝብል ኣብ በቢዓመቱ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ሽልማት ፖትዋ ተዓዊታ። ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ዶክተር ሂሩት ካሳው ድማ ትሕቲ ሰሃራ ብልፅቲ ሚኒስትር…

ምዕባለ ዘፈር ውልቀ ንምብርትታዕ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ማሕለኻታት ምፍታሕ ይግባእ – ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕባለ ዘፈር ውልቀ ንምብርትታዕ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ማሕለኻታት ምፍታሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ገሊፀን። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝካየድ መድረኽ እዋናዊ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ። ኣብቲ…