Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ብምዃን ዘገልገሉ ሙሁር ስነ ቑጠባ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንብዙሕ ዓመታት ኣማኻሪ ስነ-ቁጠባ /Economist/ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ብምዃን ዘገልገሉ ላዕለዋይ ሙሁር ስነ ቑጠባ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ካብዚ ዓለም ተፈሊዮም። ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ፣ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ ሕክምና ፀኒሖም ሎሚ…

ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ብሰብውልቀ ሃፍቲ ተጋሩ ክውነን ዘኽእል ምድላዋት ከምዝተወገነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ብሰብሃፍቲ ተጋሩ ክውነን ይግባእ ክብል ቤትምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ገሊፁ። ሓላፊ እቲ ትካል ኣይተ ኣሰፋ ገብረስላሴ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ፌደራል መንግስቲ ዝተፈላለያ ትካላት ልምዓት…

ዓቢዪ ፆም ምእመናን ካብ ፅልኢ፣ በደልን ቂምን ዝዕቀቡሉ ክኸውን ይግባእ – ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምእመናንን ምእመናትን ኣብ እዋን ዓቢዩ ፆም ካብ ፅልኢ፣ በደልን ቂምን ክዕቀቡ ከምዝግባእ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲባ። ፓትሪያሪክ ርእሳነ ሊቃነ ጳጳሳት ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኦርቶዶክስ…

ኣብ ኣምቦ ኣብ ልዕሊ ንድጋፍ ሰልፊ ዝወፅኡ ሰባት ብዝተደርበየ ቡምባ 29 ሰባት ቆሲሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣምቦ ትማሊ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ሰልፊ ብልፅግናን ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ብዝተደርበየ ቡምባ 29 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ኮሚሽን  ፓሊስ ኦሮሚያ ኣራርሳ መርደሳ ኣብ ዝሃብዎ…

ስወኣትን ስድራ ስዉኣትን ሎሚ ጥራሕ ኣይኮናን እንዝክሮም –  ዶ/ር ደብረፅዮን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ  ንክልተ መዓልታት ክሳለጥ ዝቐነየ 4ይ ዙር ክልላዊ ኮንፈረንስ ስድራ ስውኣት ተዛዚሙ። እቲ ኮንፈረንስ፥ "ብደም ደቅና ዝተረጋገፀ ሰላም፣ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ብፀረ ህዝቢ ሓይልታት ኣይዝረግን" ዝብል መሪሕ ሓሳብ…

ሚኒስትርራት ጥዕና ኣፍሪካ ኣብ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ኣድሂቦም ይዝትዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትርራት ጥዕና ኣፍሪካ ኣብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና /ኮቪድ-19/ ተሓጋጊዝካ ምክልኻልን ምላሽ ምሃብ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ኣድሂቦም ይዝትዩ ኣለዉ። እቲ ዘተ ብዛዓባ ኮቢድ ዝምለከቱ ሓደሽቲ መረዳእታታት ንምልውዋጥን እቲ ለበዳ…

ኣብ ዞባ ቦረና ከተማ ያቤሎ ኣብዛ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ቦረና ከተማ ያቤሎ ኣብዛ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ ስታዲየም እታ ከተማ ኣብ ዝተሳለጠ ሰለማዊ ሰልፊ፥ ነበርቲ እታ ከተማን ከባቢኣን ተሳቲፎም። እቶም ሰልፈኛታት ኣመራርሓ እቲ ለውጢ ንዝኾኑ ዶክተር…

ኣብ ትግራይ ልምዑነት ሓመድ ብ53 ሚኢታዊ ወሲኹ-መፅናዕቲ ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ንዓመታት ዝዘለቐ ዝተዋደደ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብምስርሑ ልምዑነት ሓመድ እቲ ክልል ብ53 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ምሁራን ዩንቨርስቲ መቐለ ኣፍሊጦም። እቶም ምሁራን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝተሰርሐ ዕቀባ ሓመድን ማይን…

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ነቲ ሕዚ ዘሎ ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ሃዋሳ ነቲ ሕዚ ዘሎ ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ። ኣብ ስታዲየም ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፥ ብዙሓታ ነበርቲ እታ ከተማን ከባቢኣን ተሳተፍቲ ኮይኖም ኢዮም። እቲ ሰልፊ ንቀዳማይ ሚኒስትር…

160 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ መርሃ ግብሪ ዲጂታል ትምህርቲ ተረባሕቲ ኮይነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ማልት) 160 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ክልል መርሃ ግብሪ ዲጂታል ትምህርቲ ተረባሕቲ ንክኾና ከምዝገበረት ኣፍሊጣ። ኣተሓባባሪ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ማልት ኣይተ ንጉሰ ገብረክርስቶስ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ክልል ትግራይ…