ስፓርት
ትማሊ ኣብ ፓላንድ ቱራን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ኣብ ፓላንድ ቱራን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ካልኣይ ክብረ ወሰን ዓለም ብዝኾ ውፅኢት ተዓዊታ።
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ናይ ትማሊ ውድድራ ባዕላ ካብ ዝሓዘቶ ክብረወሰን ዓለም ብክልተ ሰኮንድ ትሕት ኢላ 3፡54.77 ብዝኾነ ውፅኢት ኢያ ቀዳማይቲ ወፂኣ።
ኣብቲ ውድድር ለምለም ሃይሉ ብ4፡02.25 ካልአይቲ፣ ፍረወይኒ ሃይሉ ብ4፡02.50 ሳልሰይቲ፣ ኣትሌት ሃብታም ኣለሙ ራብዐይቲ፣ ሂሩት መሸሻ ሓምሸይቲ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን።…
Read More...
ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ ስግረ ዶብን ጎደናን ኢ/ውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ ስግረ ዶብን ጎደናን ከምኡ እውን ኣብ ስፔን ከተማ ሲቪያ ብዝተገበረ ውድድር ማራቶን ብክልቲኡ ፆታ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።
ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ሲቪያ ብደቂ ተባዕትዮ ኣስራር ሃይረዲን ተዓዋቲ ኮይኑ፡፡
ኣብቲ ውድድር፥ ኣደላድለው ማሞ…
ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ካምሃ ኣትሌት ግርማዊት ገ/እግዚአብሄር ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ካምሃ ኣትሌት ግርማዊት ገ/እግዚአብሄር ተዓዊታ።
ኣትሌት ግርማዊት ገ/እግዚአብሄር 1:04:14 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢያ ተዓዊታ።
ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ቦሰና ሙላቴ 1:05.46 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ነቲ ውድድር ሓምሻይ ደረጃ ብምሓዝ ከምዝዛዘመቶ ካብ ፌዴሬሽን…
ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ክፃወታ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)መበል 13 ሰሙን ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ክሳብ ሕዚ ብዝተገበሩ ፀወታታት ስዕረት ዘየጋጠማ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ደረጃኣ ንምሕላውን ካብ ተኸተልታ ሃዋሳ ከተማን ፋሲል ከተማን ዘለዋ ነጥቢ ንምስፋሕ ናብ ሜዳ…
ንኢንተርናሽናል ዳኛ በኣምላክ ተሰማ ኣቀባብላ ተገይሩሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝተፈላለዩ ፀወታታት ዋና ዳይና ኮይኑ ዝመርሕ ኢንተርናሽናል ዳኛ በኣምላክ ተሰማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ፎዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣቀባብላ ገይሩሉ።
በኣምላክ ተሰማ ኣብቲ ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ዋና ዳይናን ሓጋዚ ዳይናን ኮይኑ ፀወታታት ዝመርሐ እንትኸውን፥ ብፍላይ ኣብ…
ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምፅራይ ዋንጫ ዓለም ዘርኣዮ ብቕዓት ኣብ ዋንጫ ኣፍሪካ ክደግም ኣይከኣለን-ኤሳያስ ጅራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት 7፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምፅራይ ዋንጫ ዓለም ዘርኣዮ ብቕዓት ኣብ ዋንጫ ኣፍሪካ ክደግም ኣይከኣለን ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኤሳያስ ጅራ ተዛሪቦም።
ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተን ሓጋዚኦምን ኣብ ካሜሮን ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኣፍሪካ ዝነበሮም ፃንሒት ብዝምልከት ኣሰልጠንቲ 16…
ኣብ ምድላው መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ን27 ተፃወትቲ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ፍሬው ሃይለገብርኤል ኣብ ምድላው መፃረዪ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ን27 ተፃወትቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብኣሰናዳእነት ኮስታሪካ ኣብ ዝካየድ ውድድር ፅዋዕ ዓለም 2022 ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ጋና መዘነአን ንምፅዋት ኢዮም ን27 ተፃወትቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም…