ስፓርት
ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኤርትራ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓሙሽተ ሃገራት ዝተሳተፋሉ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኤርትራ ከተማ ምፅዕ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ተኻይዱ።
ኣብቲ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን፥ ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ታንዛኒያን ዝተወከሉ ኣትሌታት ተሳተፍቲ ኮይኖም።
እቲ ውድድር መበል 32 ዓመት ኦፕሬሽን ፈንቅል ንምዝካር ምኽንያት ብምግባር ዝተኻየደ ከምዝኾነ ሚኒስትር ሓበሬታ መንግስቲ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣፍሊጦም።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ…
Read More...
መበል 12 ሰሙን ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክጅምሩ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)መበል 12 ሰሙን ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክጅምሩ ኢዮም።
ብመሰረት እዚ ድማ ጋንታ ፋሲል ከነማን ኣዳማ ከተማን ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10 ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡
ሻምጲዮና ዝሓለፈ ዓመት ጋንታ ፋሲል ከነማ ንግዚኡ ነቲ ልግ ንምምራሕ ዘኽእል ውፅኢት ንምርካብ ንጋንታ ኣዳማ…
ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 3 ጋንታታት ውሳነ ቅፅዓት ተመሓላሊፉወን
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ግድፈት ዲሲፒሊን ኣብ ልዕሊ ዝፈፀማ 3 ጋንታታት ውሳነ ቅፅዓት ከምዘመሓላለፈ ኮሚቴ ዲሲፒሊን እቲ ሊግ ተገሊፁ።
ውሳነ ቅፅዓት ዝተመሓላለፈለን
ውሳነ ቅፅዓት ዘተመሓላለፈለን ጋንታታት ድሬዳዋ ከተማ፣ ሃዲያ ሆሳእናን ወላይታ ዲቻን እንትኾና፥ ደገፍተን ኣብ ሜዳ ብዘርአዩዎ ዘይተገበአ ተግባር…
ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ተዓዋቲት ፅዋዕ ኣፍሪካ ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2014 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣብ መበል 33 ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ሻምፒዮን ኮይና።
ሃገራውያን ጋንታታት ሴኔጋልን ግብፅ ዘራኸበ ውድድር ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ፥ ኣብ ስሩዕን ተወሳኺ ሰዓትን ብርቱ ንሕን ሽቶ ክምዝገብ ስለዘይከኣል ብመፍለዪ ፍፁም ቅላዕ ሴኔጋል ክትዕወት ክኢላ።
ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣብ ታሪኽ ፅዋዕ ኣፍሪካ…
ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ንሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ብምስዓር ናብ ፍጻመ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሓሊፋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ኣብ ዝገበረቶ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ብፍፁም ቅላዕ 3 ን 1 ብምስዓር ናብ ፍፃመ ፀወታ ሓሊፋ።
ኣብቲ ፀወታ ኣብ ስሩዕ ሰዓትን ተወሳኺ ሰዓትን ባዶ ንባዶ ማዕረ ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ናብ ፍፀም ቅላዕ ኣምሪሐን ግብፂ ክትዕወት ክኢላ።
ካሜሮን ካብ…
ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ናብ ፍፃመ ሓሊፋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ንቡርኪናፋሶ ብምስዓር ናብ ፍፃመ ሓሊፋ።
ሳድዮ ማኔ ኮኾብ ኮይኑ ኣብ ዘምሰየሉ ፀወታ ሴኔጋል 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ኢያ ናብ ፍፃመ ሓሊፋ ዘላ።
ሴኔጋል ተዓዊታ ንኽትወፅእ ኣብዱል ዲያሎ፣ ዴይንግን ሳዲዮ ማኔን…
ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ሴኔጋል ምስ ቡርኪናፋሶ ክራኸባ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካሜሮን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ምስ ሃገራዊት ጋንታ ቡርኪናፋሶ ክራኸባ ኢየን።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣሊዎ ሲሴ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ከምዝኸውንን ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ኣብ መፃረዪ ፀወታ ትሑት…