Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ዝበለፀ ኣፍሪካዊ ስፖርተኛ 21 ክፍለ ዘበን ምባለይ ልዑል ክብሪን ምስጋናን ኣለኒ -ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኢ ኤ ስ ፒ ኤን ዝበለፀ ኣፍሪካዊ ስፖርተኛ 21 ክፍለ ዘበን ምባለይ ልዑል ክብሪን ምስጋናን ኣለኒ  ክብል ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ገሊፁ። ኢ ኤ ስ ፒ ኤን ዝበለፁ ኣፍሪካዊያን ስፖርተኛታት 21 ክፍለ ዘበን ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ቀነኒሳ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ኢዩ። ነዚ ስዒቡ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ብኢ ኤ ስ ፒ ኤን ዝበለፀ ኣፍሪካዊ ስፖርተኛ 21 ክፍለ ዘበን ምባለይ ልዑል ክብሪን ምስጋናን ኣለኒ  ኢሉ።
Read More...

ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ዝበለፀ ኣፍሪካዊ ስፖርተኛ 21 ክፍለ ዘበን ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ዝበለፀ ኣፍሪካዊ ስፖርተኛ 21 ክፍለ ዘበን ተባሂሉ ከምዝተሓረየ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኢ ኤ ስ ፒ ኤን ዝበለፁ ኣፍሪካዊያን ስፖርተኛታት 21 ክፍለ ዘበን ዕላዊ ምግባሩ ዝገለፀ እቲ ፌዴሬሽን፥ ኢትዮጵያን ኬኒያን ከልተ ኣትሌታት ብምሕራይ ቀዳሞት ኮይነን ኢሉ። ኣትሌት ቀነኒሳ ድማ…

ናብ ፓሪስ ንዘምርሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ድሕሪ ፅባሕ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ዕላዊ ምፍናው ክግበረሉ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ንምስታፍ ናብታ ሃገር ንዘምርሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ድሕሪ ፅባሕ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ዕላዊ ምፍናው ክግበረሉ ኢዩ። ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምፍናው፥ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወረቅ ዘውዴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ከመዝርከቡ ኣብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ዝረኸብናዮ…

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ጉስጢት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ጉስጢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ ክብል ኮንፌደሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንቃ፣ ፕሬዚዳንት ኮንፌደሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ እያሱ ወሰንን ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኮንፈዴሬሽን ጉስጢት ኣሊሳን ነቲ ዛዕባ ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም። እቲ ሻምፒዮና 17…

ናይ 2017 ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝጅመረሉ ዕለት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ 2017 ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝጅመረሉ ዕለት 10 መስከረም ከምዝኾነ ዕላዊ ኮይኑ። ናይ ኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ ኣክሲዮን ማሕበርም እቲ ፕሪሚየር ሊግ ዝጅመረሉ ዕለት ንተሳተፍቲ ጋንታታት ምፍላጡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ገሊፁ። ናይ 2016 ዓ.ም ናይ ኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ ውድድር 29 ሰነ 2016 ምዝዛሙ ይፍለጥ።

ኣርጀንቲና ፅዋዕ ኮፕ ኣሜሪካ ብምዕዋት ሻምፒዮና 2024 ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመሪካ ዘሰናደአቶ መበል  48 ፀወታ ፅዋዕ ኮፕ ኣሜሪካ ኣርጀንቲና ንኮሎምቢያ ብምስዓር ፅዋዕ ኮፕ ኣሜሪካ ተዓዊታ። ላውታሮ ማርቲነዝ ኣብ መበል 112 ደቒቓ ብዘመዝገባ ብሕታዊት ሸቶ፥ ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ ኮሎምቢያ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ኢዩ ንመበል 16 ግዜ ሻምፒዮና ኮይና።

ስፔን ንመበል ራብዓይ ግዘ ተዓዋቲት ፅዋዕ ዩሮ 2024 ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ስፔን ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ምስ እንግሊዝ ኣብ ዝገበረቶ ንመበል ራብዓይ ግዘ ተዓዋቲት ፅዋዕ ዩሮ 2024 ብምዃን ተዓዊታ። እቲ ፀወታ ኣብ ስታድየም ኦሎምፒያ በርሊን ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ልዕሊ 74 ሽሕ ደጋፊ ኣትዩ ተኸታቲሉዎ። ስፔይን ንእንግሊዝ፣ ፈረንሳይን ኔዘርላንድስን…