Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ዝሃበና ባዶ ቼክ እዩ፤ ብተኣማንነት ምግልጋል ሓላፍነትና እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ህዝቢ ዝሃበና ባዶ ቼክ እዩ፤ ብተኣማንነት ምግልጋል ሓላፍነትና እዩ ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 5ይ ዓመት ዘመን ስራሕ መበል 30 ሰሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፣ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዓሙቕ ኣተሓሳስባን ፍቕሪ ሰላምን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብግልፂ ዘርኣየ ታሪኻዊ መድረኽ ምንባሩ ገሊፆም።

ህዝቢ መረፃ ዘካየደ ንዝቕፅል ወለዶ ዝፀንዐትን ዝበልፀገትን ኢትዮጵያ ንምርካብ ብዓብዩ ተስፋ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ዝሃበና ባዶ ቼክ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ቼክ ሰናይ ስም፣ ፅኑዕ ስራሕን ውፅኢታዊ ኣፈፃፅማን ምፅሓፍ ናይ ኩሎም ኣመራርሓታት ውድብ ፓለቲካ ሓባራዊ ሓላፍነትን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመረፀና ዝተጀመሩ ናይ ኢኮኖሚ ምምሕያሽን ፀረ ግዕዝይና ፃዕርታትን ብምጥንኻር፣ ኣገልግሎት መንግስቲ ብምምሕያሽ፣ ንዝቕፅል ወለዶ ዝበልፀገት ሃገር ንምርካብ ዝተፃወርናዮ ሓላፍነት ንምፍፃም እዩ ኢሎም።

በዚ መሰረት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ስርቅን ግዕዝይናን ንምውጋድ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት መንግስቲ ንምዝማን ዝግበሩ ፃዕርታት ብዝያዳ ተጠናኸሮም ክቕፅሉ ኣገንዚቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይ ፍርሒ ብናፅነትን ብዲሞክራስያዊ መንገድን ድምፁ ከም ዝሃበ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ብተኣማንነትን ህዝቢ ብኽብሪ ብምግልጋልን ዝርከብ ፍረ ክሳብ ክንደይ ከም ዝዓቢ ብተግባር ኣርእዩ እዩ ኢሎም።

ብሶስና ኣለማየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.