ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ምፍራይ መዓር ዝጭበጥ ውፅኢት የመዝግብ ኣሎ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍራይ መዓር ዝጭበጥ ውፅኢት ይርከብ ኣሎ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ኣብ ምክልኻል ክሊማ መሰረታዊ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምህርቲ መዓር ዝጭበጥ ውፅኢት እናረኸበ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ተፈጥሮናን ከባቢናን ብምሕላው ኣግራብ ይሰፍሑ ከምዘለዉን፣ ንዓይነታት ንህቢ ዝድግፉን ምህርቲ መዓር ዝውስኹን ምቹዋት ከባቢታት ፍልፍል ምግቢ ከምዝፈጠሩን ኣረዲኦም።