መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ፤ መራሕቲ ኣባልም መሓዙትን ሃገራት ብሪክስ፣ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላት ይሳተፉ ኣለዉ።
ኣባል ሃር ብሪክስ ዝኾነት ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፈት ትርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ናብ ህንዲ ምእታዎም ይፍለጥ።
እቶም መራሕቲ ብብርኪ ዓለም እናዓበየ ዝመፅአ ዲፕሎማሲያዊን ኢኮኖሚያዊን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእሉ ኣጀንዳታት ክዝትዩ እዮም።
ናይዚ ዓመት ጉባኤ ዓለም ለኸ ኣመራርሓ ንምጥንኻር፣ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ ፖለቲካ ዘለወን ፅዕንቶ ንምድንፋዕ፣ ከምኡ እውን ሽርክነት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ከድህብ እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
እቲ ጉባኤ፤ “ፅንዓትን፣ ፈጠራን፣ ምትሕብባርን ዘላቕነትን ምህናፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንክልተ መዓልቲ ክካየድ እዩ።