Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምትሕብባር ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብን ኣፍሪካን ዘድሀበ መድረኸ ዘተ “ሂሊ ዲያሎግ ኣፍሪካ ኤዲሽን” ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲቲዩት ጉዳያት ወፃኢ ጃፋር በድሩ፣ ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚንስትር ሚኒስትር ጌታቸው ረዳን ሓዊሱ መውፃእቲ ፖሊሲ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ፣ ተወከልቲ ሃገራት ኣፍሪካን ተመራመርቲን ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ምትእስሳር ወደብን መሰረተ ልምዓትን፣ ወሰንቲ መዓድናትን ቴክኖሎጂን፣ ደሕነነት ምግቢን ዝሕደስ ሓይሊን ከምኡ እውን ኣብ ሓደሽቲ ምሕዝነታት ንግዲ ልዝብ እናተገበረ ይርከብ፡፡

እቲ መድረኽ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ምስ ማእኸል ስልታዊ መፅናዕቲታትን ምርምርን ኤምሬትስ ከምኡ እውን ምስ ዲፕሎማቲክ ኣካዳሚ ኣንዋር ጋርጃሽ ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.