ማእኸል መስፋሕፍሒ ሎጂስቲክስ ሞጆ ንዞባዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ዓብዪ ዓወት እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣5 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቀዳማይ ምዕራፍ ዘበናዊ መስፋሕፍሒ ፕሮጀክት ማእኸል ሎጂስቲክስ ሞጆ ሎሚ መዓልቲ መሪቖም ከፊቶም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ከም ዝገበሉዎ፤ ምስፍሕፋሕ እቲ ማእኸል ምትእስሳር ኢኮኖሚ እቲ ዞባ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዕቤት ዘሰጋግር እዩ።
እዚ ስራሕ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ኣብ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ብተግባር ዝተሃነፀሉ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ንምዕዋት ልዑል ተራ ከም ዝፃወት ገሊፆም።
ቀዳማይ ምዕራፍ ዘበናዊ መስፋሕፍሒ ፕሮጀክት ማእኸል ሎጂስቲክስ ሞጆ ኣብ 60 ሄክታር መሬት ዝተሃነፀ ኮይኑ፤ ኣብ ዓመት ክሳብ 1 ሚልዮን 20 ጫማ ንውሓት ዘለዎም ኮንቴነራት ንምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎም ጣብያታትን ዘበናዊ መኻዚንን ዝሓዘ እዩ።
ቅልጣፈ ኣሰራርሓ እቲ ማእኸል ንምዕባይ ኣብ ሃገርና ንፈለማ እዋን ኣብ ሃዲድ ባቡር ዝተተኸለ ክሬን ካብ መስመር ባቡር ዝግበር ስግግር ኮንቴነራት ኣዝዩ ቅልጡፍ ብዝኾነ ኣገባብ ንምፍፃም ዘኽእል ምዃኑ እውን ገሊፆም።
ምሉእ ኣሰራርሕኡ ብዘበናዊ ዲጂታላዊ መሰረተ ልምዓት ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ፤ ንተገልገልቲ ቅልጡፍን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ንምሃብ ዝሕግዝ እዩ እውን ኢሎም።
እዚ ማእኸል ካብ መስመር ኢትዮ-ጅቡቲ ብተወሳኺ ንኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ዘራኽብ ኣካል ኮሪደር ‘ደሱ’ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
እዚ ድማ ሃገርና ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ደረጃ ሎጂስቲክስ ንምምሕያሽን ዞባዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዕቤት ዘሰጋግር ዓብዪ ዓወት እዩ ኢሎም።