ምድረ ገነት ሽረ ንኢትዮጵያ ቡና ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 32 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምድረ ገነት ሽረ ንኢትዮጵያ ቡና 1 ን 0 ስዒራ፡፡
ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ብሕታዊት ሸቶ ምድረ ገነት ሽረ ኣቤል እንዳለ ኣመዝጊቡዋ፡፡
ኣብ ተመሳሳሊ ስታዲየም ምሸት ሰዓት 12 መቻል ምስ ነገሌ ኣርሲ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡
ቅድም ክብል ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ሃድያ ሆሳእና ንሲዳማ ቡና 1ን 0 ስዒራ፡፡
ኣብቲ ስታዲየም ሰዓት 10 ምክያድ ዝጀመረ ፀወታ ወላይታ ድቻን ቅዱስ ጊዮርጊስን ብዘይ ሸቶ ባዶ ማዕረ ተዛዚሙ፡፡