Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣብ ፓሪስ ማራቶን ቀነኒሳ በቀለ ሓዊሱ ተሳታፍቲ ኣትሌታት ተሓሪዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ፓሪስ ማራቶን ዝሳተፉ ቀነኒሳ በቀለ ሓዊሱ ብኽልቲኡ ፆታ ዝሳተፉን ተተካእቲን ኣትሌታት ብምሕራይ ዕላዊ ገይሩ። ብመሰረት እዚ ብደቂ ተባዕቲዮ፥ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ፣ ሲሳይ ለማን ዴሬሳ ገለታን ተሓሪዮም ኣለዉ። ኣትሌት ታምራት ቶላን ኡሰዲን መሓመድን ድማ ብተተካእቲ ምክታቶም ተገሊፁ። ብደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ፣ ኣማኔ በሪሶን መገርቱ ኣለሙን ከምዝተሓረያ ኣብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ብተተካእቲ ድማ ኣትሌት ጎይተይቶም…
Read More...

ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንጋንታ ወላይታ ድቻ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ስኢራታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ መሪሕ እቲ ሊግ ዝኾነት ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንጋንታ ወላይታ ድቻ 5 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ስኢራታ። ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ዝተገበረ ፀወታ÷ ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንኽትዕወት ፍፁም ግርማይ (ኣብ ናይ ባዕሉ መረብ)፣ ባሲሩ ዑመር፣ ሳይመን ፒተር፣ ኤፍሬም ታምራትን ኪቲካ…

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቪኤኣር ተግባራዊ ከይግበር ዘኽእል ድምፂ ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ዝቕፅል ውድድር ዓመት ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተሓገዘ ዳይነት (ቪኤኣር) ተግባራዊ ከይግበር ዘኽእል ድምፂ ክህባ ምዃነን እቲ ሊግ ኣፍሊጡ፡፡ ቪኤኣር ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2019 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝተገበረ እንትኸውን÷ ዝተወሰና ጋንታታት ብውሳነ ቪኤኣር…

ኣብ ኳታር ዶሃ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብኽሊቲኡ ፆታ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኳታር ዶሃ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብኽሊቲኡ ፆታ ተዓዊቶም። ኣብቲ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ ነቲ ርሕቐት ብ4 ደቒቓ 4 ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ። ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ኣትሌት ሳሮን በርሀ ድማ ብ4 ደቒቓ 9 ሰከንድን 62…

መርሃ ግብሪ ምብራህ ሽግ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ኣብ ከተማ ቦንጋ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ምብራህ ሽግ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ኣብ ከተማ ቦንጋ ተሳሊጡ። እቲ መርሃ ግብሪ “ኢትዮጵያ ትወዳደር፣ ተወዳዲራ እውን ትተዓወት” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ (ዶ/ር)፣ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት…

ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ካብ ሪያል ማድሪድን ባየርሙኒክን ንፍፃመ ትሓልፍ ጋንታ ሎሚ መዓልቲ ክትፍለ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንፍፃመ ንምሕላፍ ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ባየርሙኒክን ዝገብረኦ ናይ መልሲ ንሕንሕ ትፅቢት ይግበረሉ። ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ሜዳ ሪያል ማድሪድ ሳንትያጎ ቤርናቢዩ ዝካየደ ፀወታ÷ ንፍፃመ ትሓልፍ ጋንታ ክትፍለየሉ ኢያ፡፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ኣብ ስታዲየም ኣሊያንዝ ኣሬና 2…

ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ዶርትሙንድ ንፍፃመ ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ናብ ፍፃመ ንምሕላፍ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መልሲ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴይንት ዠርሜ (ፒ ኤ ሲ ጂ) ብጀርመናዊት ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ 1 ን 0 ተሳዒራ፡፡ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ሜዳ ፒ ኤስ ጂ ፓርክ ዴስ ፕሪንስ ኣብ ዝተኻደ ፀወታ ዶርትሙንድ 1 ን 0 ብምስዓር ናብ ፍፃመ ፀወታ…