Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ ክዛዘመ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ንሓደ ሰሙን እነተኻየደ ዝቐነየ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ምሸት ክዛዘመ ኢዩ። ምሸት ሰዓት 3፡10 ኣብ ዝካየድ ውድድር ጉያ ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮ 5 ሺሕ ሜትር÷ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዮሚፍ ቀጄልቻ፣ በሪሁ ኣረጋዊን ሓጎስ ገብረሕይወትን ትፅቢት ይግበረሎም፡፡ ምሸት ሰዓት 4፡10 ድማ ኣብ ውድድር ፍፃመ 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ዝካየድ እንትኸውን÷ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ፣ ሎሚ ሙለታን ዘርፌ ወንድምኣገኝን ክወዳደራ ኢየን፡፡…
Read More...

ኢትዮጵያ ኣብ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እናተኻየደ ዝርከብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ልኡል ገ/ስላሴ ንሃገሩ ሜዳሊያ ነሓስ ኣምፂኡ። ኣብቲ ውድድር ዩጋንዳዊ ኣትሌት ቪክቶር ኪፕላጋት ሜዳሊያ ወርቂ ዓቲሩ። እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ዘለዋ ቁፅሪ ሜዳሊያኣ ናብ ትሽዓተ ክብ ክተብል…

ሎሚ ኣብ ዝሳለጥ ውድድር ጉያ ፍፃመ 5 ሺሕ ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓዊሱ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ክወዳደራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ሰዓት 3፡50 ናይ ምሸት ውድድር ጉያ ፍፃመ 5 ሺሕ ሜትሮ ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬ፣ ኣትሌት መዲና ኢሳን ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉን ንኢትዮጵያ በምውካል ዝሳተፋ ኣትሌታት ኢየን። ኣትሌት ጉዳፍ ብ10 ሺሕ ሜትር ደቂ ኣኒስቲዮ መዳሊያ ወርቂ፣ ኣትሌት እጅጋየሁ ድማ ነሓስ ምምፅአን…

ኣትሌት ኣማኔ በሪሶ ኣብ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ሜዳልያ ወርቂ ኣምፂኣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና አትሌቲክስ ዓለም ኣብ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ደቂ ኣንስትዮ ዓወት ቀኒዑወን። ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ኣማኔ በሪሶ 1ይቲ ብምዃን እንትዛዝም፥ ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ 2ይቲ ብምውፃእ ሜዳልያ ብሩር ኣምፂኣ። ኣትሌት ኣማኔ በሪሶ ነቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 24 ደቒቕን…

ኢትዮጵያውያን ዝሳተፉሉ መፃረዪ ውድድር 800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ካካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ወርቅነሽ መለሰን ሃብታም ኣለሙን ዝሳተፉሉ መፃረዪ ውድድር 800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ምሸት 3፡25 ኣብ ቡዳፔስት ክካየድ ኢዩ፡፡ እተን ኣትሌታት ነፍፃመ ንምሕላፍ ከካብ ምድበን 1ይ ወይ 2ይ ክወፅኣ ትፅቢት ይግበረለን። እቲ መፃረዪ ውድድር ኣብ ሰለስተ ምድብ ተኸፊሉ ከምዝሳለጥ ተገሊፁ፡፡ ውድድር ፍፃመ…

መፃረዪ ውድድር ጉያ ደቂ ተባዕቲዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ሎሚ መዓልቲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መፃረዪ ውድድር ጉያ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ደቂ ተባዕቲዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 2 ናይ ምሸት ክካየድ ኢዩ። ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ኣብ ዝካየድ ዘሎ እቲ ውድድር፥  ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ፣ ሓጐስ ገ/ሕይወትን በሪሁ ኣረጋዊን ንኢትዮጵያ ወኪሎም ከምዝሳተፉ ኣብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ…

ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንኣሰልጠንቲ ኩዕሾ እግሪ ስልጠና ህንፀት ኣቕሚ ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ን60 ኣሰልጠንቲ "ብካፍ ዲ ላይሰንስ" ኩዕሾ እግሪ ስልጠና ህንፀት ኣቕሚ ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ፌዴሬሽን ኤሊት ኢንስትራክተር ኣብራሃም መብራህቱ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐሌ ስልጠና እንትጅምር ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ስልጠና ኣብቲ ክልል በቲ ዓውዲ ዘሎ ክፍተት ብምምላእ…