Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሻምፒዮን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓደ ፀወታ እናተረፋ ሻምፒዮን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ምዃና ኣረጋጊፃ። ሎሚ መዓልቲ ቅዱስ ጊዮርጊስን ምስ ሃድያ ሆሳዕና ዘራኸበ መበል 29 ሰሙን ፀወታ÷ 9፡00 ሰዓት ኣብ ስታዲየም ዩንቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ተኻይዱ፡፡ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንጋንታ ሃድያ ሆሳዕናን 2 ን 0 ስዒራ፡፡ ቸርነት ጉግሳ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ፀወታን እስማኤል ኦሮ ኣጎሮ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ፀወታን እተን ሸቶታ ብምምዝጋብ ቅዱስ ጊዮርጊስ…
Read More...

ጋንታ ኣርሰናል እንግሊዛዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል ዲክላን ራይስ ንምፍራም ምስ ዌስትሃም ተስማዕሚዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኣርሰናል እንግሊዛዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል ዲክላን ራይስ ክብረ ወሰን እታ ጋንታ ብዝኾነ ዋጋ ንምፍራም ምስ ጋንታ ዌስትሃም ዩናይትድ ተስማዕሚዓ። ኣርሰናል ንወዲ 24 ዓመት ተፃዋቲ ንምዝውዋር 100 ሚሊየን ፓውንድ ክፍሊት ከምኡ እውን ተወሳኺ 5 ሚሊየን ፓውንድ ውፅኢት እናተርኣየ ዝኽፈል ወፃኢ ክትገብር ኢያ፡፡ እታ…

መበል 39 ውድድር ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ዝቕፅል ሰንበት ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 39 ውድድር ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ዝቕፅል ሰንበት 18 ሰነ 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። መበገሲኢን መዛዘሚኡን ኣብ ሰሚት ዝገብር እቲ ውድድር ማራቶን÷ ካብ 12 ክለባት፣ 2 ክልላትን 1 ምምሕዳር ከተማን ዝተውፃእፅኡ 354 ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ክሳተፉ ኢዮም።…

ውድድር ሻምፒዮና ብሽክለታ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልላትን ምምሕዳራት ከተማታትን ዝተሳተፍሉ ውድድር ሻምፒዮና ብሽክለታ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። ነቲ ውድድር፥ ፕሬዚዳንት ሻምፒዮና ብሽክለታ ኢትዮጵያ ወንድሙ ሃይሌን ሓላፊ ሽግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክንደያ ገብረህይወትን (ፕ/ር) ኣጀሚረምዎ። ካብ 14 ክሳብ 18 ሰነ 2015…

ክርስቲያኖ ሮናልዶ ንብሄራዊ ጋንትኡ 200 ጊዜ ብምስላፍ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ሽሙ ኣንቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክርስቲያኖ ሮናልዶ ንብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ፖርቹጋል 200 ጊዜ ብምስላፍ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ሽሙ ኣንቢሩ። ሮናልዶ ትማሊ ምሸትኣብ ኔሽንስ ሊግ ኣውሮፓ ፖርቹጋል ምስ ኣስላንድ ኣብ ዝተጋጠማሉ ፀወታ ንመበል 200 ግዘ ተሰሊፉ ተፃዊቱ። ኣብቲ ፀወታ ሸቶ ብምቑፃር ሃገሩ ክትዕወት ኣኽኢሉ ኢዩ። ነዚ ስዒቡ…

ብራዚላውያን ተፃወትቲ ዓሌትነት ንምቅዋም ፀሊም ማልያ ተኸዲኖም ናብ ሜዳ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣንፃር ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ምሕዝነታዊ ፀወታ ኩሎም ፀሊም ክዳን ብምልባስ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንዝረአ ‘ዓሌትነት’ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊፆም። ተፃወትቲ እታ ጋንታ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፀዋታ፥ ፀሊም ጥራይ ተኸዲኖም ዝኣተዉ ዀይኖም ኣብ ካልኣይ እብረ ድማ መፍለዪ ጋንታ ብራዚል ዝዀነ ብጫ ብሰማያዊ ዝደመቐ…

ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ኣብ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ዘመዝገቦ ዓወት ክብረ ወሰን ዓለም ብምዃን ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ለሜቻ ግርማ 15 ለካቲት 2023 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ዘመዝገቦ ዓወት ክብረ ወሰን ዓለም ብምዃን ፀዲቑ። ኣብ ወርልድ ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፥  ኣትሌት ለሜቻ ነቲ ውድድር 7 ደቒቕ 23 ሰኮንድን ከ81 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ኮይኑ ኢዩ…