Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ናብ ፍፃመ ሓሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ናብ ፍፃመ ሓሊፎም። ብ5 ሺሕ ደቂ ተባዕትዮ መፃረዪ ውድድር ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋ ካብ ምድብ ሓደ 3ይ ብምውፃእ ናብ ፍፃመ ሓሊፉ። ካብ ምድብ ክልተ ዮሚፍ ቀጀልቻ 4ይ ብምውፃእ ኣትሌት ሙክታር እድሪስ 7ይ ብምውፃእ ብዝሐሸ ሰዓት ናብ ፍፃመ ሓሊፎም። ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፥ ኣትሌት ድርቤ ኦልተጂ 1ይቲ፣ ፍሬወይኒ ሃይሉ 2ይቲ ካብ ምድብ ሓደ፣ ሃብታም ኣለሙ ካብ ምድብ ክልተ 1ይቲ ብምውፃእ ሓሊፈን።…
Read More...

ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና  ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብሰለስተ ዓይነታት ውድድር ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና  ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብሰለስተ ዓይነታት ውድድር ክሳተፉ ኢዮም። ብ800 ሜትሮ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ቶሎሳ ቦደና ክሳተፍ ኢዩ። ለይቲ ሰዓት 10ን 10ን ኣብ ዝካየድ መፃረዪ 5 ሺሕ ውድድር÷ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ፣ ኣትሌት ጥላሁን ሃይሌ፣ ኣትሌት ሙክታር…

ኢትዮጵያውያን  ኣትሌታት ብውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ንፍፃመ ሓሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን  ኣትሌታት ኣብ መበል 18 ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም  ንፍፃመ ሓሊፈን። ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያ ብምውካል ዝተሳተፋ፥ ኣትሌት  ለተሰንበት ጊደይ፣ ጉዳፍ ፀጋይን ዳዊት ስዩምን ከምዝሓለፋ ኣረጋጊፀን። ብኻሊእ መዳይ ብደቂ ተባዕቲዩ 800 ሜትሮ መፃረዪ ቶለሳ ቦደና ናብ ቀፃሊ…

ኢትዮጵያ ብውድድር መሰናከል 3 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ መበል 18 ውድድር መሰናከል 3 ሺሕ ሜትሮ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ረኺባ። ኣትሌት ወርቅውሃ ጌታቸው ብሩር፣ መቅደስ ኣበበ ድማ ነሓስ መዳሊያታት ኣምአን። ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ውፅኢት፥ ሰለስተ ወርቂ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ሓደ ነሓስን ብምሓዝ ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ…

ኢትዮጵያ ኣብ ፍፃመ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ብክልተ ኣትሌታት ክትውከል ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ወጋሕታ ሰዓት 11፡45 ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ ፍፃመ ውድድር መቅደስ ኣበበን ወርቅውሃ ጌታቸውን ንኢትዮጵያ ወኪለን ክወደዳደራ ኢየን። ብካሊእ መዳይ ለይቲ ሰዓት 8፡25 መፃረዪ ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፣ ጉዳፍ…

ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ታደሰ ለሚ 8ይ ኮይኑ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ታደሰ ለሚ 8ይ ብምውፃእ ውድድሩ ዛዚሙ። ውድድር ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ሎሚ መዓልቲ ወጋሕታ ሰዓት 11፡30 ተኻይዱ። ኢትዮጵያ ብኣትሌት ታደሰ ለሚ ዝተወከለት እንትትከውን፥ ሻምናይ ብምውፃእ ውድድሩ…

ኢትዮጵያ ኣብ ንመበል 18 ግዘ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 2ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኦሪጎን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 18 ግዘ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 2ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ክሳብ ሕዚ 3 ወርቂን ሰለስተ ብሩርን ሜዳሊያታት ብምምፃእ ኢያ ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ፡፡ ኣብ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ለተሰንበት ግደይ ፈላማይ…