Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ጋንታ ሰበታ ከተማ ንጋንታ ኣዳማ ብምስዓር ካብ ሓደጋ ምውራድ ዘርሕቓ ውፅኢት ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ሰበታ ከተማ ንኣዳማ ከተማ 1 ለ 0 ብምስዓር ዓወት ቀኒዑዋ። ጋንታ ሰበታ ከተማ ኣብ መበል 35 ደቒቕ ኦሴ ማውሊ ብዘመዝገባ ብሕታዊት ሽቶ ኢያ ክትዕወት ክኢላ። ብመሰረት እዚ 33 ነጥቢ ብመሓዝ ደረጃኣ ናብ ሻድሸይቲ ክብ ክትብል ክኢላ። ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ጋንታ ሃድያ ሆሳዕና ንጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስን ብምስዓር ደረጃኣ ክተመሓይሽ ክኢላ ኢያ። ጋንታ ሃዲያ ሆሳእና 1 ን 0ብዝኾነ ውፅት ኢያ ዓወት ኣመዝጊባ።…
Read More...

ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ድሬዳዋ ከተማ ንፋሲል እንትት ስዕር ጂማ ኣባ ጅፋርን ባህርዳር ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ንፋሲል እንትትስዕር ጋንታታት ጂማ ኣባ ጅፋርን ባህርዳር ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን። ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ንጋንታ ፋል ከነማ 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ቀኒዑዋ። ስለዝኾነ ድማ ካብ ፕሪሜርሊግ ናይ ምውራድ ሓደጋ ዘለዋ ድሬዳዋ ከተማ ወሰንቲ ሰለስተ…

ኣቡበከር ናስር ክብረወሰን ኮኾብ መቑፀራይ ሽቶ  ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ሰይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ኣቡበከር ናስር ክብረወሰን ኮኾብ መቑፀራይ ሽቶ  ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ሰይሩ። ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ጋንታታት ሲዳማ ቡናን ኢትዮጵያ ቡናን፥ ኣቡበከር ናስር ኣብ መበል 9ይ፣ 36ን 90ን ደቒቕ ሽቶ ብምምዝጋብ ኣብ ሓደ ናይ ውድድር ዓመት 27 ሽቶታት ከመዝግብ ክኢሉ፡፡ ስለዝኾነ ድማ…

ፀወታ ፅዋዕ ቻምፒዮንስ ሊግ ናብ ፖርቶ ተዘዋዊሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሞንጎ ጋንታታት ቼልሲን ማንቼስተር ሲቲን  ዝካየድ ናይ ፍፃመ ፀወታ ፅዋዕ ቻምፒዮንስ ሊግ ናብ ፖርቶ ከምዝተዘዋወረ ተገሊፁ። ኣብቲ ፀወታ 12 ሺሕ ዝኾኑ ደገፍቲ ክልቲአን ጋንታታት ከኣትዉ ኢዮም ተባሂሉ፡፡ ነበርቅድም ክብል ኣብ ቱርኪ ከተማ ኢስታንቡል ስታዲየም ኦሎምፒክ ኣታቱርክ ንኽካየድ ቆፀሮ ተታሒዙሉ ዝነበረ ፀወታ…

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ርሕቐት ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ ) ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ፈላማይ 10 ሺሕ ሜትሮ ርሕቐት ተሳትፎኣ ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ። ኣብ ፖርቱጋል ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ፌርናንዳ ሪቤይሮ ጎልድ፥ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ፈላማይ ተሳትፎኣ 29 ደቒቕ 39 ሰኮንድን 42 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ኢያ ተዓዋቲት ኮይና፡፡…

ጋንታ ፋሲል ከነማ ተዓዋቲት ፅዋዕ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2013 ዓ.ም ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 22 ሰሙን ፀወታ ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኢትዮጵያ ቡናን ወላይታ ዲቻን ተራኺበን ማዕረ ተፈላሊየን። በ22ኛ ሳምንት የኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቡና እና ወላይታ ዲቻ 0 ለ 0 በሆነ አቻ ውጤት ተለያይተዋል። ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ዝተራኸባ እተን…

ኣብ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኣዳማ ከተማን ድሬዳዋን ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 22 ሰሙን ቤት ኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኣዳማ ከተማን ድሬዳዋን ከተማን 0 ን 0 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተፈላሊየን። ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ዘካየደኦ ፀወታ ብዘይ ሽቶ ክፋላለያ ክኢለን፡፡ እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ቴሌግራም ገፅና…