ስፓርት
ኤቨርተን ንዴውስቡሪ ሃል ካብ ቼልሲ ኣፈሪማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጋንታ መርሲሳይድ ኤቨርተን ንኬርናን ዴውስቡሪ ሃል ካብ ቼልሲ ከምዘፈረመቶ ዕላዊ ገይራ፡፡
ኤቨርተን ንወዲ 26 ዓመት ተፃዋቲ 25 ሚሊየን ፓውንድን እናተርኣየ ዝውስኽ 4 ሚሊየን ፓውንድ ነቲ ተፃዋቲ ናብ ጋንታኣ ፀምቢራ፡፡
እንግሊዛዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ማእኸል ዴውስቡሪ ሃል÷ ኣብ ዝተዛዘመ ዓመት ውድድር ንቼልሲ ኣብቲ ሊግ 13 ፀወታታት ገይሩ ሓንቲ ንሸቶ ትኸውን ኩዕሾ ኣመዓራሪዩ ኣቐቢሉ፡፡
ኬርናን ዴውስቡሪ ሃል ካብ ቼልሲ ብተወሳኺ ንሌስተር ሲቲ፣ ሉተን ታውንን ብላክፑልን ተፃዊቱ ኢዩ፡፡…
Read More...
ሩበን ዲያዝ ብማንቼስተር ሲቲ ውዕሉ ንምንዋሕ ተሰማሚዑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፖርቱጋላዊ ተኸላኻላይ ሩበን ዲያዝ ኣብ ማንቸስተር ሲቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝፀንሐ ውዕሊ ንምንዋሕ ተስማዕሚዑ፡፡
ሩበን ዲያዝ ኣብ ማንቼስተር ሲቲ ክሳብ 2027 ዘፅንሕ ኮንትራንት ንተወሳኺ ዓመታት ንምንዋሕ ምስምዕምዑ ክብል ዘ ኣትሌቲክስ ፀብፂቡ።
ወዲ 28 ዓመት ተኸላኻላይ ሩበን ዲያዝ ካብ ማንቼስተር ሲቲን ሻምፒየስ ሊግ…
ፌዴሬሽናት ካራቴ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፌዴሬሽናት ካራቴ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ከቲሞም።
ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽናት ካራቴ ኢትዮጵያ ሙሉነህ ጎሳዬ፥ እቲ ስምምዕነት ሞያተኛታት ስፖርት ካራቴ ኢትዮጵያዊያን ናይ ሙያ ምዕባለ ነክረኽቡ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ተኣሚኑሉ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝግበሩ…
ባየር ሙኒክ ንሉዊስ ዲያዝ ምፍራማ ዕላዊ ገይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ባየር ሙኒክ ንኮሎምብያዊ ኣጥቃዓይ ሉዊስ ዲያዝ ምፍራማ ዕላዊ ገይራ።
ሓያል ክለብ ጀርመን ባየር ሙኒክ ነዚ ወዲ 28 ዓመት ጥቃዓይ ተፃዋቲ ሊቨርፑል ብ65 ነጥቢ 5 ሚሊየን ፓውንድ ኣፈሪማቶ።
እቲ ኮሎምብያዊ ተፃዋቲ ምስ ሙኒክ ን4 ዓመት ዘፅንሖ ውዕሊ ኮንትራት ዝፈረመ እንትኾን፤ ቁፅሪ 14 ማልያ ተኸዲኑ ክፃወት እዪ፡፡…
ሰንደርላንድ ንግራኒት ዣካ ንንምፍራም ተስማዕሚዓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰንደርላንድ ንነበር ተፃዋታይ ጋንታ ኣርሰናል ግራኒት ዣካ ካብ ባየርሊቨርኩሰን ንምፍራም ኣብ ስምምዕ በፂሓ፡፡
ናብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዝዓበየት ጋንታ ሰንደርላንድ ንግራኒት ዣካ ዝውውር 20 ሚሊየን ዩሮ ወፃኢ ገይራ፡፡
ወዲ 32 ዓመት ተፃዋቲ ኣብ ሰንደርላንድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2027 ዘፅነሖ ኩንትራት…
ቪክተር ጎከሬሽ ዝውውር ኣርሰናል ንምዝዛም ናብ ለንደን ክኸይድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣርሰናል ቪክተር ጎከሬሽ ምስ ስፖርቲንግ ንምፍራም ኣብ ስምምዕ ምብፅሑ ስዒቡ ተፃዋቲ ነቲ ዝውውር ንምዝዛም ፅባሕ ናብ ለንደን ከምዝኸይድ ተገሊፁ።
ኣርሰናል ንወዲ 27 ዓመት ስዊድናዊ ኣጥቃዓይ 55 ነጥቢ 1 ሚሊየን ፓውንድን ብቕዓትን እናተረኣየ ዝውሰኽ 8 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፓውንድ ክኸፍል እዩ።
እዚ ተፃዋታይ እቲ ውዕል…
ንጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ናይጄሪያ ከተማ ኣቡኩታ ኣብ ዝተኻየደ ትሕቲ 20ን 18ን ዓመት ሻምፒዮና ኣፍሪካ ተሳተፍቲ ንዝነበሩ ኣትሌታትን ኣባላት ጉጅለን መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ተወጊኑ፡፡
ኣብቲ ውድድር ንዝተሳተፉን ሜዳሊያ ዘምፅኡን ኣትሌታት፣ ንኣሰልጠንቲ፣ ንመራሕቲ ጉጅለን ኣባላት ጉጅለ ልኡኽን እውን መበረታትኢ ሽልማት ተበርኪቱሎም።…