ስፓርት
ማንቼስተር ሲቲ ቦታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንምርካብ ትገብሮ ንሕንሕ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 37 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ምሸት ሰዓት 4 ንቦርንማውዝ ክተተኣናግድ ኢያ።
ብኣሰልጣኒ ፔፕ ጓርዲዮላ ትምራሕ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ብ65 ነጥቢ አብ 6ይ ደረጃ ዝተቐመጠት እንትት ከውን፤ ናይ ሎሚ ምሸት ፀወታ እንተስዒራ ነጥባ ናብ 68 ክብ ብምባል ናብ 3ይ ደረጃ ክትዓቢ ትኽእል ኢያ።
ብ53 ነጥቢ ኣብ መበል 11 ደረጃ ትርከብ ቦርንማውዝ ብግደኣ ዓወት እንተቐኒዑዋ ናብ 8ይ ደረጃ ክትመፅእ ትኽእል ኢያ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ…
Read More...
ኣትሌት መዲና ኢሳ ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝተኻየደ 10 ኪ.ሜ ውድድር ጉያ ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣትሌት መዲና ኢሳ ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝተኻየደ 10 ኪሎ ሜትር ውድድር ጉያ ተዓዊታ፡፡
አትሌት መዲና ኣብቲ ውድድር ኣብ 30 ደቒቓን 42 ሰከንድን ብምእታው ቀዳመይቲ ኮይና ምስዓራ ካብ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፈት ካሊእ ኣትሌት ጎይተቶም ገ/ስላሴ ድማ ብ31 ደቒቕን 11…
ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ኢትዮ ኤሌክትሪክን ነጥቢ ተኻፊለን
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 30 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ፀወታ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ኢትዮ ኤሌክትሪክን ነጥቢ ተኻፊለን።
ኣብ ስታድዩም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ንግሆ ሰዓት 3፡30 ኣብ ዝተኻየደ ፀዋታ ክልቲአን ጋንታታት ብዘይምንም ሽቶ ብማዕረ 0ን 0 ተፈላልየን።
መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ ቀፂሉ እንትኻየድ ሰዓት 9…
ሲዳማ ቡና ንወላይታ ድቻ ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 30 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሲዳማ ቡና ንወላይታ ድቻ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡
ሲዳማ ቡናን ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ማይክል ኪፕሩቪል ቅድሚ ዕረፍቲ ኣመዝጊቡዋ፡፡
ሲዳማ ቡና ተኸታታሊ ካልኣይ ዓወታ እንትተመዝግብ፤ ወላይታ ድቻ ብግደኣ ካልኣይ ተኸታታሊ ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
እቲ…
ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ን3ይ ግዘ ናይ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ተኻፋሊ ስፖርተኛ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ወዲ 40 ዓመት ፖርቹጋላዊ ኢንተርናሽናል ንተኸታታሊ ሰለስተ ዓመት ናይ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ተኻፋሊ ስፖርተኛ ኮይኑ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስዑድ ዓረብ ንጋንታ ኣልናስር እናተፃተ ዝርከብ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ፤ ብዓመት 275 ሚሊየን ዶላር ዝኽፈሎ ቁፅሪ ሓደ ስፖርተኛ እዛ ከምዝኾነ ሓበሬታ ፅሄት ፎርብስ ኣመልቱ፡፡
ኣሜሪካዊ…
ክርስትያኖ ሮናልዶ ንሳልሳይ ግዜ ካብ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ተኸፋሊ ስፖርተኛ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ወዲ 40 ዓመት ፖርቱጋላዊ ኢንተርናሽናል ተፃዋታይ ንተኸታታሊ ንሳልሳይ ዓመት ካብ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ተኸፋሊ ስፖርተኛ ምዃን ኽኢሉ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ንክለብ ስዑዲ ኣልናስር እናተፃወተ ዝርከብ ክርስትያኖ ሮናልዶ፤ ኣብ ዓመት 275 ሚሊየን ዶላር ዝኽፈል ኣብ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ስፖርተኛ ምዃኑ ኣብ መፅሄት ፎርብስ ዝተረኸበ…
ሰርጂም ራትክሊፍ ልዕሊ 6 ቢሊየን ፓውንድ ከሲሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ንኡስ በዓል ዋና ማንቼስተር ዩናይትድ ሰር ጂም ራትክሊፍ ኣብ ሓደ ዓመት ልዕሊ 6 ቢልዮን ፓውንድ ከሲሮም።
እንግሊዛዊ በዓል ሃፍቲ ሰር ጂም ራትክሊፍ ሃፍቶም ካብ 23 ነጥቢ 519 ቢሊየን ፓውንድ ናብ 17 ነጥቢ 046 ቢሊየን ፓውንድ ምውራዱ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እዞም በዓል ሃፍቲ ወዲ 72 ዓመት ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ…