Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ማንቼስተር ሲቲን ኒውካስል ዩናይትድን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል ሻድሻይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲን ኒውካስል ዩናይትድን ማዕረ ተፈላሊየን። እቲ ፀወታ ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ አንትኸውን፥ ዮስኮ ጋቫርዲዮል ብዘቑፀራ ሸቶ ማንቼስተር ሲቲ ነቲ ፀወታ መሪሓ ነይራ። ይኹን እንበር ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረ ፀወታ ኣንቶኒ ጎርደን ብፍፁም ቅላዕ ሸቶ ብምቑፃሩ ማዕረ ኮይነን። ብመሰረት እዚ ማንቼስተር ሲቲን ኒውካስል ዩናይትድን ማዕረ ዝተፈላለያ እንትኾና፥ ማንቼስተር ሲቲ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝገበረቶም ፀወታታት 14…
Read More...

ፅጌ ዱጉማ አብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 800 ሜትሮ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ አብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 800 ሜትሮ ተዓዊታ። እታ ኣትሌት ነቲ ርሕቕት 1 ደቒቕ 57 ሰከንድን 43 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ውድድራ ብዓወት ዛዚማ፡፡

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብምኽንያት በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ዓብዪ ጉያ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብምኽንያት በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ዓብዪ ጉያ ተሳሊጡ። እቲ ጉያ ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ዓጋመን ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራትን ዝተዳለወ እዩ። ዕላምኡ ድማ፥ እቲ ከባቢ ንምፍላጥን መናእሰይ ኣብ ስፖርት ክሳተፉ ንምግባርን ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብመሰረት እዚ ካብ መሸጣ…

ራፋዬል ቫራን ጫማ ሰቒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮኸብ ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይን ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ማንቼስተር ዩናይትድ ራፋዬል ቫራን ፀወታ ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ፡፡ ቫራን ኣብ ዝሓፈ ክረምቲ መስኮት ዝውውር ንጋንታ ማቼስተር ዩናይትድ ብምልቃቕ ናብ ጣሊያናዊት ጋንታ ኮሞ ምፅምባሩ ይፍለጥ፡፡ ኣብታ ሓዳሽ ጋንትኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን…

ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ክተሕድስ ምዃና ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ውሩይ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ብክልተ ቢሊየን ፓውንድ ወፃኢ ክተሐድስ ምዃና ኣፍሊጣ፡፡ እቲ ሕድሳት እንትዛዘም ዓቕሚ መሓዝ ተመልከትቲ እቲ ስታዲየም ልዕሊ 100 ሺሕ ከምዝኸውን ተገሊፁ። ሕድሳት እንትዛዘም ኣብ ዓመት ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሰባት ክጉብንዩዎ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ…

ኣብ ፕሪሚየር ሊጉ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ መወዳእታ መርሃ ግብሪ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ብመሰረት እዚ ጋንታ ኣዳማ ከተማ ምስ ጋንታ ስሑል ሽረ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክፃወታ ኢየን። ስሑል ሽረ ኣብዚ ዓመት ዳግም ናብቲ ውድድር ምምላሳ ዝዝከር እንትኸውን÷ ኣዳማ ከተማ ኣብ…

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሃድያ ሆሳእና ንመቐለ 70 እንደርታ ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ 2017 ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ተጀሚሩ፡፡ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ፀወታ÷ ጋንታ ሃድያ ሆሳእና ንጋንታ መቐለ 70 እንደርታ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡ ሃድያ ሆሳእና  ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ሄኖክ ኣርፍጮ ብፍፁም ቅላዕ…