ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ኣንዋር ኢብራሂም ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ኣንዋር ኢብራሂም ተዛቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሕዳር 2018 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝገበሩዎ ታሪኻዊ ዑደት ዝተረኸበ ሰናይ ዕድል ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዙርያ ከም ዝተዛተዩ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ጎድና ጎድኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ኣንዋር ኢብራሂም ዝገበሩዎ ዘተ፤ ኣብ ምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንት፣ ቱሪዝም፣ ዝሕደስ ሓይሊ፣ ንምስፋሕን ናብ ኮፕ 32 ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘድሀበ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ማሌዥያ መፍረያይነትን ተሞክሮታት ዘፈር ምፍራይን ክውሰዱ ዝኽእሉ ዕድላት ዙርያ ከም ዝዘተዩ እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያን ማሌዥያን ጥንኩር ኢኮኖሚያዊ ሽርክነት ንምምስራት ዘኽእል ዓብዪ ዓቕሚ ኣለወን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ (ዶ/ር)፤ ኣብ ኢንቨስትመነት፣ ቴክኖሎጂ፣ ክእለትን ማዕቐፋት ዘላቒ ልምዓት ሓደሽቲ ዕድላት ዝፈጥር እዩ ኢሎም።