Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ብሕልፈት ኣሚር ሼክ ሃማድ ቢን ካሊፋ ኣል ታኒ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኳታር ቤተ መንግስቲ ሉሳይል ብምርካብ ንኣሚር ሃማድ ኣልታኒን ስድረኦምን ኣፅናዕኒዖም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ብሕልፈት ነበር ኣሚር ሼኽ ሃማድ ቢን ካሊፋ ኣልታኒ ዝተሰመዖም ሓዘን ንምግላፅ ትማሊ ምሸት ናብ ኳታር ምእታዎም ይዝከር፡፡

ጉዕዞ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኳታርን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ጥንኩር ምሕዝነት ዘርኢ ኢዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብቲ ዞባን ዓለም ለኸ ደረጃን ልዑል ኣሰር ኣንቢሮም ዝሓለፉ መራሒ ዘኽብር ከምዝኾነ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመላኽት፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት ንህዝቢን መንግስቲን ኳታር ፅንዓት ተመኒዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.